ድለ

ጋና: ኣክራ ኣብ 2026 ቅበ መንእሰያት ምዕራብ ኣፍሪቃ ከተአንግድ እያ ጋና: ኣክራ ኣብ 2026 ቅበ መንእሰያት ምዕራብ ኣፍሪቃ ከተአንግድ እያ  (© Sr. Sylvie Lum Cho, MSHR)

ጋና: ኣክራ ኣብ 2026 ቅበ መንእሰያት ምዕራብ ኣፍሪቃ ከተአንግድ እያ

ኣብ ጋና እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ወርሒ መስከረም 2026 ንፈለማ እዋን ቅነ መንእሰያት ምዕራብ ኣፍሪቃ (Accra 2026) ክተእንግድ እያ። ኣብዚ መደብ እዚ ካብ መላእ ምዕራብ ኣፍሪቃ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ካቶሊካውያን መንእሰያት ኣብ ሓደ ሰሙን እምነትን ሕብረትን ባህላውን ጽምብላት ከካይዱ እዮም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ትሕቲ ዞባዊ ጳጳሳዊ ጉባኤ ምዕራብ ኣፍሪቃ (RECOWA/CERAO)ን ዞባዊ ምውህሃድ ካቶሊካውያን መንእሰያት ምዕራብ ኣፍሪቃ (RECCYWA) ዝተዳለወ፣ መንፈሳዊ ህይወት መንእሰያት ካቶሊካውያን ንምዕማቝ፡ ስግረ - ባህላዊ ምትእስሳር ንምሕያልን ኣብ መላእ ምዕራብ ኣፍሪቃ ጽምዶ ወንጌላዊ ተልእኾ ንምድንፋዕን ዝዓለመ ምዃኑ ናይ መላእ ምዕራብ ኣፍሪቃ ሃገራት ቤት ምኽሪ ጳጳሳት ዘወጸዕ መግለጺ ጠቒሱ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ ቅነ መንእሰያት ምዕራብ ኣፍሪቃ (ኣክራ 2026) ን10 መዓልታት ዝጸንሕ ኮይኑ፡ እቲ መደብ ካብ ካብ ጠቕላላ 20 ሃገረ ሰበኻታትን ርእሰ ሰበኻታትን ጋናን ሓዊሱ ካብ ነፍሲ ወከፍ ተሳታፊ ሃገራዊ ዋዕላ ብውሑዱ 100 ልኡካን ክርከቡ ትጽቢት ይግበር ይብል።

ሱታፌ ኣብ ጉስነት ኣብ ሃገረ ስብከት

ኣብተን ቀዳሞት ሓሙሽተ መዓልታት ቅነ መንእሰያት ምዕራብ ኣፍሪቃ (ኣክራ 2026) ተሳተፍቲ ኣብ ሓሙሽተ ኣአንገድቲ ሃገረ ስብከታት ኩማሲ፡ ኬፕ ኮስት፡ ኮፎሪዱዋ፡ ሆን ሰኮንዲ-ታኮራዲን ፋሕ ኢሎም ኣብ ንጉስነታዊ ንጥፈታት ሰበኻታት ገዛእ ርእሶም ከሳትፉን ባህላዊ ምልውዋጥ፡ ሓባራውነት፡ ኣገልግሎት ማሕበረሰብ፡ ከምኡ’ውን ምስ ምንቅስቓሳት መንእሰያት ከባቢ ዝግበር ርክባት ዘጠቓልል ክኸውን እዩ።

ነፍሲ ወከፍ ኣአንጋዲት ሃገረ ስብከት ከባብያዊ ኣሰናዳኢ ሽማግለ (LOC) ኣብ ካቶሊካዊ እምነት ዝንበር እንግዶት ዘማእከለ መደባት ከተሳልጥ እውን ምዃና ዜና ቫቲካን ናይ ምዕራብ ሃገራት ኣፍሪቃ ጉባኤ ጳጳሳት መግለጺ ጠቒስ ይሕብር።

ድሕሪ ናይ ሓሙሽተ ጉስነታዊ ሱታፌ መደባት ኩሎም ልኡኻት ኣብ ኣክራ ተኣኪቦም ነቲ ናይ ኣርባዕተ መዓልታት ዓቢ ጽምብል ክገብሩ እዮም፡ መደብ ትምህርተ ክርስቶስን፣ ስርዓተ ቅዳሴን፣ ዓውደ መጽናዕትታት፣ ባህላዊ ምርኢታትን ዕድላትን ንተልእኾ ወንጌል ተወፋይነትን ሕብረትን ክህሉ እዩ።

08 Oct 2025, 17:33