ድለ

ሓገዝ ኣብ ስቓይ ንዝርከባ ኣቢያተ ክርስቲያን ሓገዝ ኣብ ስቓይ ንዝርከባ ኣቢያተ ክርስቲያን  (CC ATTRIBUTE)

ሓገዝ ኣብ ስቓይ ንዝርከባ ኣቢያተ ክርስቲያን

ጳጳሳዊ ማሕበር ረድኤት ኣብ ስቓይ ንዝርከባ ኣቢያተ ክርስቲያን (ACN) ንዝስደዱ ክርስትያንን ግዳያት ኲናትን ንምድጋፍ ሓድሽ ተበግሶታት የቕርብ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ፖላንድ ጨንፈር ጳጳሳዊ ማሕበር ረድኤት ኣብ ዝቓይ ንዝርከባ ኣቢያተ ክርስቲያን ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ሶርያ፣ ሊባኖስ፣ ናይጀርያ፣ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ፣ ቅድስቲ መሬትን ዩክሬንን ሰብኣዊ ውጥናት ኣብ ምምዕባል ይርከብ።

ናይቲ ጨንፈር ፖላንድ ጳጳሳዊ ማሕበር ረድኤት ኣብ ስቓይ ንዝርከባ ኣብያተ ክርስቲያን ሓላፊ ኣባ ያን ዊቶልድ ዜላዝኒ፡ ንዜና ቫቲካን ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ብዛዕባ እቲ ናይቲ ጨንፈር ፖላንድ ቀጻሊ ጻዕርን ተወፋይነትን ብሰፊሕ የብርሁ።

ተስፋ ጭቡጥ ምግባር

ረድኤት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዝኾነ ቦታ ሰባት ብኲናትን ስደትን ኣብ ዝሳቐይሉ ኣዋን ሓገዝ ኣብ ምቕራብ ተልእኾኡ ይቕጽል። ኣብ ዝቕጽሉ ሰሙናት ወከልቲ እቲ ጳጳሳዊ ማሕበር ናብተን ንዓመታት ንማሕበረሰባት ክርስትያን ዳግማይ ሕንጸት ክግበረለን ኣብ ዝጸነሓ ሶርያን ሊባኖስን ዑደት ክገብሩ መደብ ኣለዎም።

ብዕለት 10 ጥቅምቲ ወከልቲ ጳጳሳዊ ማሕበር ረድኤት ኣብ ስቓይ ንዝርከባ ኣቢያተ ክርስቲያን (ACN) ኣብ ቫቲካን ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ተራኺቦም ብዛዕባ ሃይማኖታዊ ናጽነት ዝምልከት ዝሰነዶ ጸብጻቡ ከም ዘቕረቡሎምን ቅዱሰንቶም ንተወፋይነት እቲ ትካል ኣመስጊኖም ቤተ ክርስቲያን ኣብ ጎኒ እቶም ዝስደዱ ዘለዉ ምእመናና ደው ከም እትብል ኣረጋጊጾም፣ ብጀካ እዚ፡ “ናይ ሃይማኖት ናጽነት ተራ መሰል ወይ ሓለፋ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ሓቀይና ዕርቂ ንምግባር መሰረት እዩ” እንክብሉ እውን ከም ዝበሉ የዘኻኽሩ።

ኣብ ወሰናስን ሃግራትን ሰብኣዊ ህልውናን ዝሳለጡ ውጥናት

ካብቶም ህሉው ተበግሶታት ጳጳሳዊ ማሕበር ረድኤት ኣብ ስቓይ ንዝርከባ ኣቢያተ ክርስቲያን (ACN) ኣብ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎን ናይጀርያን ዘሳልጦ ዘሎን “ኣብዘን ሃገራት ብሰንኪ ዓመጽን ንባህርያዊ ጸጋታት ኣብ ዝግበር ቃልስን ዝሳቐዩ፣ ጸጋታት መርገም ኣብ ዝኾነሉ ዞባታት ዝካየድ ዘሎ ናይ ሓገዝ ውጥናት ዝምልከት ምዃኑ የስተብህሉ።

እቲ ትካል ኣብ ቤተልሔም እውን ዝርከብ ኮይኑ፡ ብወለንተይናታት ኣቢሉ ነቶም ብማሕበር ደናግል ቅድስቲ ኤልሳቤጥ ዝእለዩ ብኲናት ዝተጎድኡ ህጻናት ኣብ ምሕብሓብ ዝተዋፈረ ምዃኑ ገሊጾም፣ ዋላ’ኳ ቀጻሊ ሓደጋታት እንተሃለወ ሓገዝ ናብ ዩክሬን እውን ይበጽሕ - ብቐንዱ ናብ ኦዴሳን ከባቢኣን፣ “ኣብ ንጥፈታትና ንትምህርቲ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ግብሪ ነውዕሎ፡ እንኮላይ ነቲ ኣብ ቀረባ እዋን ኣነ ኣፍቀርኵከ ብዝብል ኣርእስቲ ልዮን መበል 14 ዝለገስዎ ሓዋርያዊ ምዕዳን እንክብሉ ዝሃብዎ መግለጺ ይዛዝሙ።

15 Oct 2025, 17:33