"ስርዓት ኣልቦ ምዝመዛ ማዕድናዊ ጸጋታት ዘስዓቦ ከባብያዊ ጉድኣት ብማሕበራዊ መዳይ ዘይፍትሓዊ እዩ"
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ናይ ዛምቢያ ቤት ምክሪ ጳጳሳት "ብዛዕባ ብከላን ኣብ ልዕሊ ከባብን ዝወርድ መጉዳእቲ ኣዚዩ ከም ዘሻቕሎምን፡ እዚ ንሰብኣዊ ኽብርን ሓባራዊ ጥቕምን ኣብ ማእከል ሃገራዊ ምዕባለ ዘየእቱ ፖለቲካውን ንግዳውን ረብሓታት ኣብ ልዕሊ ተቓላዒ ህዝቢ ስቓይ ዘስዕብ” ምዃኑ ኣብ ዘውጽእዎ ጉስነታዊ መልእኽቲ ሓቢሮም፣ ጳጳሳት ዛምቢያ ቅድሚ እቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ዕለት 1 መስከረም ዝኽበር ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ጸሎት ንፍጥረት ኣቐዲሞም ዕለት 22 ነሓሰ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ጉስነታዊ መልእኽቲ፡ "ብፍላይ ኣብ ምትግባር ኣከባብያዊ ስርዓታት ኣብ ምኽባር፣ ዝርአ ሸለልትነት" ነቒፎም፣ እዚ ሸለልትነት እዚ "መጋቢ ፍጥረት ኣምላኽ ምዃንን ንጎረባብትና ክንሓልየሎምን ዝድርኸና ክርስትያናዊ ግዴታና ብቐጥታ ዝጻረር ግብረ ገባዊ ውድቀት እዩ” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ ዛምብያ ብማዕድናዊ ጸጋታት ሃብታም እኳ እንተኾነት ዝፍጸም ዘሎ ስርዓት ኣልቦ ምዝመዛ ማዕድናዊ ጸጋታት ኣብ ከባቢና ከቢድ ጉድኣት የስዕብ ኣሎ” ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።
ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት፡ መንግስቲ ሉሳካ ባዕሉ፡ ድሕሪ ብዙሕ ፍጻመታት ብከላ፡ ብፍላይ ኣብ ዞባ ኮፐርቤልት ብዛዕባ ዘጋጥም ዘሎ ብከላ ሩባታት መርመራ ክካየድ ከም ዝወሰነን እቲ ናይ መርመራ ስራሕ እውን ከም እተበገሰ ዜና ቫቲካን ፊደስ ኣገልግሎት ዜና ዝሃቦ ሓበሬታ ጠቒሱ እንክሕብር፣ ንሩባታት ብምብካልን መሬት ሕርሻ ብምዕናዉን ምስቶም ኣብ ጥቓ እቲ ዕደና ዝፍጸመሉ ከባቢ ዝነብሩ ማሕበረሰባት ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ክትዓትን ጳጳሳት ዛምቢያ ኣብ ዘውጽእዎ ጉስነታዊ መልእኽቲ ኣስሚሮም፣ ኣብታ ሃገር ዝፍጸም ስርዓት ኣልቦ ምዝመዛ ማዕድን ከቢድ ከባብያዊ ዕንወት የስዕብ ኣሎ” ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።
"እዚ ከባብያዊ በደላት ቅልጡፍን ነዊሕን ዕንወት ጥዕና የስዕብ ከም ዘሎን፡ ስነ - ምሕዳር ኣዕንዩ፡ መነባብሮ ናይቶም ኣብ ሕርሻን ኣብ ሃብቲ ማያት ዝምርኮሱ ህዝብታት ሃስዩን ብዛዕባ እዚ ኹሉ ሰብኣውን ከባቢያውን መጉዳእቲ ሃገራዊ ትካል ኣከባቢ "ክሕተት ኣለዎ" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ፊደስ ኣገልግሎት ዜና ጠቒሱ የመላኽት።
ምስ ረብሓታት ወጻኢ ዝተኣሳሰሩ ዓበይቲ ስርሓት ዕደና ጥራይ ዘይኮነስ፡ "ኣብ ሓያሎ ከባቢታት እታ ሃገር ሰራውር ወርቂ ንምርካብ ብውልቂ ዝፍጸም ምዝመዛ እውን ጠንቂ ብከላ እዩ - ቢሎም - "ኣብ ዘይተረጋገጸ ቁጠባ መኽሰብ ኣብ ምድላይ፡ መብዛሕትኦም መንእሰያት ዝኾኑ ተራ ዜጋታት፡ ገዛእ ርእሶም ኣብ ሓደጋ የእትዉ ኣለዉ፡ እቶም ኣንጠረይናዊ ዕደናታት ዝፍጽሙ ብዘይ ብቑዕ ክትትል፡ ኣብቲ ግዝያዊ ዕደናታቶም ብዘጋጥም ዝተፈላለየ ሓደጋ ንነባሪ ጉድኣት ጥዕና ከም ዝቓልዑን፡ ከምኡ'ውን ንጥዕና ማሕበረሰባት እቲ ከባቢ ኣብ ሓደጋ ከም ዘእትዉ እውን ጳጳሳት ዛምቢያ ኣብ ጉስነታዊ መልእኽቶም ሓቢሮም፣ መንግስቲ ዘካይዶ ምቁጽጻር ከሐይልን፣ ዝተበላሸወ ምህዳር ንምምላስ ትካላት ዕደና ተሓተትቲ ክገብርን ንዜጋታት ብፍላይ ድማ ንመንእሰያት ውሑስን ስርዓት ዘለዎን ዕድላት ክፈጥርን ካብ ተፈጥሮኣዊ ጸጋታት ሃገርና ተጠቀምቲ ክኾኑ ኣበርቲዑ ክሰርሕ ኣለዎ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ፊደስ ኣገልግሎት ዜና ጠቒሱ የመላኽት።