ጳጳሳት ሕ.መ. ኣመሪካ ምስ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኣፍሪቃ ዘለዎም ጭቡጥ ምትሕግጋዝ ደጊሞም የረጋግጹ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
“ምስ ጳጳሳትን ምእመናንን ኣፍሪቃ፡ ኣብ ሞንጎ ቀጻሊ ግጭታት ንዓለም ንህይወትን ክብርን ደቂ ሰባት ዘኽብር ዓሚቝ ምስክርነት ኣብ ዘቕርቡሉ ዘለዉ እዋን፡ ሓገዝና ደጊምና ነረጋግጽ” እንክብሉ ኣቦ መንበር ናይ ፍትሕን ኣህጉራዊ ሰላምን ሽማግለ ቤት ምኽሪ ጳጳሳት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ USCCB) ጳጳስ ኤሊያስ ዛይዳን ብስም ጳጳሳት ሕቡራት መንግስታት ከም ዘረጋገጹን፣ ጳጳስ ዛይዳን ዕለት 25 መስከረም ኣብ ኣህጉር ኣፍሪቃ ካብ መረበቶምን ማሕበረሰቦምን ዝተመዛበሉ ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ሰባት ኣስተብሂሎም ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ፣ ብሰንኪ ግጭት፣ ሃይማኖታውን ብሄራውን ስደትን መከራን፣ ቁጠባዊ ጸገም፣ ከባብያዊ ቅልውላው ምኽንያት ዝመዛበሉን ዝስደዱን እውን ምዃኖም ይሕብሩ።
“ዑደታት ቀታሊ ዓመጽን ውጽኢቱ ዝኾነ ሰብኣዊ ህብረ ቅልውላውን ኣብ ሱዳን፡ ደቡብ ሱዳን፡ ሶማልያ፡ ኢትዮጵያ፡ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ፡ ናይጀርያን ኣብ መላእ ዞባ ሳሕልን ህይወት ኣሽሓት ንጹሃት ይቐትል ኣሎ - ቢሎም - ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ሰዓብቲ ንጃምላዊ ቅትለትን ጭውያታትን፡ ከምኡ’ውን ንግዱድ ምፍንቓል ዒላማ ከም ዝኾኑ ኣስተብሂሎም፣ “ብፍላይ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናትን ኣዋርሕን ኣብ ማእከላይ ናይጀርያን ሰሜናዊ ዞባታትን ከምኡ’ውን ኣብ ምብራቓዊ ኮንጎ ኣደዳ ዓመጽ ዝኾኑ ኣማኢት ክርስትያን ሰላማውያን ሰባትን ንዝክር” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን መግለጺ ቤት ምኽሪ ጳጳሳት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ (USCCB) ጠቒሱ ይሕብር።
ጳጳስ ዛይዳ ጸሎቶም ጸሎት መላእ ጳጳሳት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣረጋጊጾም፣ ንሰበ ስልጣን መንግስታት ንጽልይ፣ ንሰበስልጣን መንግስትን ናይ ኩሉ እምነታት ሰባትን፣ “ነባሪ ሰላምን ፍትሕን ድሕነትን ኣብታ ኣህጉር ንምምጻእ” ሓቢሮም ክሰርሑ ኣብ ዝዓርግ ጸሎት ክሓብሩ ዓዲሞም፣ ጳጳሳት ሕቡራት መንግስታት ኣመርካ፡ መንግስቲ ኣመሪካን ካቶሊካዊት ቤተክርስትያንን ብሰብኣዊ ሓገዝ ጭቡጥ ምሕዝነት ከም ዘርእዩን ሓላፍነቶም ክፍጽሙን ዘለዎም እምነት ደጊሞም ከም ዘረጋገጹ መግለጺ ቤት ምኽሪ ጳጳሳት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ (USCCB) ጠቒሱ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ ቤት ምኽሪ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ - USCCB “ናይ ምትሕብባር ስልዕቲ ንቤተክርስትያን ኣብ ኣፍሪቃ” እተሰምየ ዓመታዊ ወፍሪ የካይድ ከምዘሎን፣ በዚ ወፍሪ እዚ ኣብ 2024 ኣብታ ኣህጉር ንዝርከባ ካቶሊካውያን ትካላት ኣብ 32 ሃገራት ንዘካይደኦ 96 ውጥናት ጉስነት ንምድጋፍ 2.6 ሚልዮን ዶላር ከም ዝለገሰን ብመሰረት ጳጳሳት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ እቲ ናይ ምትሕግጋዝ ስልዕቲ ንኣመሪካውያን ካቶሊካውያን “ምስቶም ኣብ ኣፍሪቃ ዘለዉ ኣሕዋቶምን ኣሓቶምን ናይ ሓድነት መንፈስ” ንኺገልጹ ዕድል ከም ዝፈጥረሎምን ድማ ጳጳስ ዛይዳ ኣብ መግለጺኦም ኣመላኺቶም፣ ኣብ መደምደምታ መግለጺኦም ንግስቲ ሰላም ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ብዓመጽ ንዝሳቐዩ ኩሎም ተጸናንዕ፣ ኣብ ማሕበረሰቦምን ብሄሮምን ሰላም ክምስርቱ ትብዓት ከተማልደሎም ጸሎት ኣቕሪቦም፣ ከምቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዝበልዎ “ነፍሲ ወከፍ ሕብረተሰብ ብዘተ ከመይ ጌርካ ጽልኢ ከም እተህድእ ዝመሃረሉ፡ ፍትሒ ዝፍጸመሉን ይቕረታ ዝኽበረሉን ‘ቤት ሰላም’ ይኹን” እንክብሉ ከም ዘስተብሃሉ ኣፍሊጡ።