ድለ

Turning Point USA Founder Charlie Kirk Mourned After Killing Turning Point USA Founder Charlie Kirk Mourned After Killing  (2025 Getty Images)

መራሕቲ ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን ኣመሪካ ኣብዚ ማሕበረ ሰብኣዊ 'ሓደገኛ ህዋት' ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ

ኣብ ዩታ ሓደ ፖለቲካዊ ተጣባቒ ድሕሪ ምቕታሉ፣ መራሕቲ ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ፣ ኣብ መላእ እታ ሃገር ንዚርከቡ ማሕበረሰብ ዝጸሉ ዝሰፍሐ ዓመጻ ከይለዓል ብምጥንቓቕ ጸሎት ኪግበር ጻውዒት ኣቕሪቦም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ዚርከቡ ጳጳሳት ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያንን፣ ነቲ ብዕለት 10 መስከረም ኣብ ኦረም ዩታ ኣብ ዚርከብ መንበረ ጥበብ ዩታ ቫሊ ኣብ እተገብረ ናይ ዝርርብ መድረኽ ሓደ ዓቃባዊ ኣቅዋም ዘለዎ ፖሎቲካዊ ተጣባቒ ቻርሊ ኪርክ ድሕቲ ምቕታሉ ናይ ሓዘንን ጻውዒትን መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።

ወዲ 31 ዓመት ኪርክ በዓል ሓዳርን ኣቦ ክልተ ንኣሽቱ ደቁን ኢዩ ዝንበረ። እቲ ኣብ ልዕሊኡ እተፈጸመ ቅትለት፣ ኣብ መላእ እታ ሃገር ንዝርከቡ ማሕበረሰብ ዘናወጸ ተኸታታሊ ዓመጽ ዝመልኦ ፍጻመታት ኢዩ ኮይኑ ዝስዕብ ዘሎ።

ንግዳያት ንኣምላኽ ሕድሪ ምውፋይ

ብፁዕ ኣቡነ ኣርሊንግተን ከም ዝገለጽዎ፣ እቲ ዜሕዝን ፍጻመ ነቲ ኣብ ቀረባ ሰሙናት ህይወት ብዙሓት ንጹሃት ግዳያት ዝቐተለ "ሕሱም ፖለቲካውን ማሕበራውን ህውከት" ከም ዘጋድዶ ውን ገለጹ።

ካብዚኣቶም ኣብ ሚናፖሊስ ኣብ ቤት ትምህርቲ ብዘጋጠመ ተዅሲ እተቐትሉ ኽልተ ቘልዑን፣ ኣብ ሻርሎት ኣብ ሓደ ባቡር እተቐትለት ዩክሬናዊት ስደተይና ኢሪና ዛሩትስካን፣ ሕጂ ድማ ቻርሊ ኪርክ ኣመሪካዊ ዓቃባዊ ኣቕዋም ዘለዎ ፖለቲከይናን መስራቲ Turning Point Action ይርከብዎም።

"ንነፍሲ ወከፎም እዞም ግዳያት እዚኣቶም ንሰማያዊ ኣቦናን፣ ንፈጣሪ ነፍሲ ወከፍ ሰብኣዊ ህይወትን ዝዀነ ኣምላኽን፣ ነቲ መልእልተ-ባህርያዊ ተስፋና ዝዀነ ወዱ ኢየሱስ ክርስቶስን ብሕድሪ ነወፍዮም ኣሎና" ክብሉ ብፁዕ ኣብነ ኣርሊንግተን ኣመልኪቶም።

ጻውዒት ናብ ዓሚቝ እምነትን ሓድነትን

መራሕቲ ቤተ-ክርስትያን ከም ዝገለጽዎ፣ ናይ ከምዚ ዝኣመሰለ ዓመጻ መበገሲ ንኣምላኽን ንኽብሪ ወዲሰብን ምንጻግ ምዃኑ ኣጕሊሖም። "ነዚ ሕማማት እዚ ከነጥፍኦ እንኽእል ድማ፣ ኣብ ኣምላኽ ጽኑዕ ትውክልቲ ብምግባርን፣ ንክርስቶስን ወንጌሉን ዓሚቝ ተወፋይነት ብምግባርን፣ ነቶም ኣብ ሕጊ ተንጸባሪቑ ዘለዉ ሰባት ልባዊ ፍቕሪ ብምህላውን ከምኡውን ንፍትሕን ህዝባዊ ስርዓታትን ብሓድሽ ቈራጽነት ብምስጓም ጥራይ ኢና" ይብሉ።

እዛ ሃገር ኣብ ፖለቲካዊ ዘይምስምማዕን፣ ፖለቲካዊ ግጭታትን ጥራይ ዘይኰነስ፣ እምነትን ስድራ ቤትን ሓባራዊ ቘራጽነትን ብሰላም ንምንባር ኣብ ዘሎ ዓሚቝ ብድሆ "ሓደገኛ ህሞት" ተሕልፍ ከም ዘላ ውን ኣጠንቀቑ።

ጸሎት ምእንቲ ሰላም

ደድሕሪ እቲ ዜሕዝን ፍጻመ፣ ኣብ መላእ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ዝርከቡ ብፁዓን ጳጳሳትን ሰበኻታትን ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን፣ ምእንቲ ስድራ ቤት ኪርክን ምእንቲ ዅሎም እቶም ኣብዚ ቐረባ ግዜ ግዳያት ዓመጻ ዝኾኑ ሰባት ክጽልዩን ከምኡውን ኣብ ሕብረተሰብ ኣመሪካ ሓድሽ ናይ ዕርቂ መንፈስ ኪህሉ ጻውዒት ኣቕሪቦም ኣለዉ።

ናይ ሶልት ሌክ ሲቲ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ኦስካር ኤ. ሶሊስ ከም ዝገለጽዎ "እቲ ቅትለት ንሃገርናን ንደቂ ሰብን ዘሕዝን ፍጻመ ኢዩ" ብምባል ምእመናን ሰላምን ሃገራዊ ውህደትን ክጽልዩ ተማሕጺኖም።

12 Sep 2025, 19:02