ድለ

2025.09.02 Carlo Acutis - reliquia pullover blu - Capella dei Miracoli - Campo Grande - Brasile

ምእመናን ብራዚል ኣብ ካምፖ ግራንደ ንቅርያት ብፁዕ ካርሎ ኣኩቲስ የኽብሩ

ቅርያት ብፁዕ ካርሎ ኣኩቲስ ሓደ ኻብቲ ምስ እዚ መንእሰይ ኢጣልያዊ ዚተሓሓዘ ኣዝዩ ፍሉጥ ዝነበረ ክዳውንቱ እዩ፣ ኣብ እተፈላለየ ስእልታት ከኣ ተኸዲንዎ እዩ ዝርአ። እዚ ቅርያት እዚ ንኣዋጅ ቅድስና ካርሎ ኣኩቲስ ንምስንዳው ብዕለት 1 መስከረም ኣብ ቍምስና ሳኦ ሰባስትያኦ በጽሑ ይርከብ ኣሎ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ከተማ ካምፖ ግራንደ ነቲ ካርሎ ኣኩቲስ ዝተሰምየ ቅዱስ መንእሰይ ኢጣልያዊ ዝኽደኖ ዝነበረ ሰማያዊ ኽዳን፣ ኣብዚ ዚመጽእ ዘሎ ሰንበት ዕለት 7 መስከረም ኣብ ቫቲካን ቅድስናኡ ቅድሚ ምእዋጁ፣ ሓያል እምነትን ስምዒትን ዝመልኦ መዓልትታት እዩ ዜሕልፍ ዘሎ። እቲ ኽፍሊ መጥፋእቲ ሓዊ ዝኾነ ቍምስና ቅዱስ ሳባስቲያን ዝሓልፈ ሰኑይ ምሸት ዕለት 1 መስከረም፣ ናብ ቤተ-ክርስትያን ቅዱስ ሳባስቲያን ኣሰንይዎ ከይዱ ይርከብ ኣሎ፣ እዚ ድማ ወግዓዊ መኽፈቲ ሳምንቲ ጸሎት ቅድስናኡ ንምምልካት እተኻየደ መደብ ኢዩ ዝንበረ። ኣዳለውቲ እቲ መደብ ከም ዝገለጽዎ ልዕሊ ሓደ ሽሕ ዝዀኑ ሰባት ኣብቲ በዓል ተኻፊሎም ይርከቡ።

ቅርያት ብፁዕ ካርሎ ኣኩቲስ ኣብ ብራዚል
ቅርያት ብፁዕ ካርሎ ኣኩቲስ ኣብ ብራዚል

ድሕሪ ምእዋጅ ቅድስናኡ እዚ ክዳን ኣብ ቅድሚ እቲ መንበረ ታቦት ኣብ ዚርከብ ዝተሰናደወሉ ቦታ ክቕመጥ ትጽቢት ይግበረሉ ኣሎ ። "እቲ ቅርያት ክሳዕ ትማሊ ሰሉስ ዕለት 2 መስከረም ኣብ መሥዋዕተ ቅዳሴ ንበጻሕቲ ክፉት ኮይኑ ጸኒሑ ኣሎ። ድሕሪኡ ናብቲ ኣብ ቪላ ማርጋሪታ ዚርከብ ቤተ-ክርስትያን ቅዱስ ተኣምር ኪውሰድን ክሳብ ዝመጽእ ዘሎ ሰንበት ከኣ ምሥዋዕተ ቅዳሴ ምስጋና ንምዕራግ ናብቲ ቤተ-ክርስትያን ኪምለስ እዩ" ክብሉ ኣመልከቱ።

ብመሰረት እቲ ኣወሃሃዲ ሰሙናዊ መደብ ጸሎት ኣዋጅ ቅድስና ዝዀነ ዱልሰ ደ ሞራይስ ዝሃቦ መግለጺ፣ እዚ ቅርያት እዚ ኣብ እዋን ምሸት ጥራይ ዘይኰነስ ኣብ መዓልታዊ ንኹሉ በጻሕቲ ክፉት ክኸውን ከም ምዃኑ ኣመልኪቱ። ወሲኹ ድማ ከምዚ በለ - "ድሕሪ እቲ ኣዋጅ ቅድስና ወግዓዊ ዕለት ምፍጻሙ ፍሉጥ ዕለት እኳ እንተ ዘይተነግረ፣ እቲ ቅርያት ኣብ ቤተክርስትያን ቅዱስ ሳባስቲያን ምእንቲ ክንበር ሓንቲ ጕጅለ ነዚ ዕማም እዚ ወሲዳ ኣድላዪ ዘበለ ነገራት ኣብ ምድላው ትርከብ ኣላ" ክብል ወሲኹ ኣመልከተ።

ቀዳመይቲ እመቤት ሞኒካ ሪደል ኣብቲ ጽንብል ተሳቲፋ ንኣገዳስነት ናይቲ ኣጋጣሚ ከምዚ ክትብል ትገልጽ - "ብሓቂ ፍልይ ዝበለን ኣዝዩ መንፈሳውን ህሞት ኢዩ ዝነበረ። ዝያዳ ተኣምራት ንምግባር ድሉዋት ኴንና ቅርስታት ካርሎ ምሳና ብምርካብና ኣዚና ኢና ተሓጒስና ዘሎና። ነዚ ሓቂ እዚ ምስ ሓደ ወዲ 15 ዓመት መንእሰይ ምርኣይና ኣዝዩ ሓያል መልእኽቲ ኢዩ ዘለዎ፣ ንእምነት ካቶሊካውነትና ድማ ዘደልድሎ ኢዩ" በለት።

ቅርያት ብፁዕ ካርሎ ኣኩቲስ ኣብ ብራዚል
ቅርያት ብፁዕ ካርሎ ኣኩቲስ ኣብ ብራዚል

ናብ ቅድስና ዘምርሕ መገዲ

ኣዋጅ ቅድስና ብፁዕ ካርሎ ኣኩቲስ ንሓሙሽተ ወርሒ ብሃንቀውታ ድሕሪ ምጽባይ ሎሚ ክውን ኮይኑ ኣሎ ። ኣብ መጀመርታ ዕለት 27 ሚያዝያ ኣብ ጽባሕ ዓመት ኢዮቤል መንእሰያት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ስለ ዝዓረፉ እቲ ጽምብል ናብ ካልእ ግዜ ተሰጋጊሩ ከም ዝነበረ ዝፍለጥ ኢዩ።

እቲ ብዛዕባ ጉዳያት ኣዋጅ ቅድስና ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ደድሕሪ እቲ እዚ መንእሰይ እዚ ዝፈጸሞ ኽልተ ተኣምራታት እዩ ነዚ ውሳኔ እዚ ዝወሰደ። እቲ ቐዳማይ ብ2010 ዓ.ም. ኣብ ካምፖ ግራንደ እዩ ተፈጺሙ፣ ኣብቲ ግዜ እቲ ወዲ 6 ዓመት ዝነበረ ማቲዩስ ሊንስ ቪያና ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብ ቤተክርስትያን ቅዱስ ሳባስቲያን ዝነበረ ምስሊ ብፁዕ ካርሎ ኣኩቲስ ድሕሪ ምጽላይ ካብ ከቢድ ሕማም ላልሽ ሓወየ። እታ ኻልአይቲ ኸኣ ሓንቲ ኣብ ኢጣልያ እትነብር ኣብ እዋን ሕርሲ ንህይወታ ኣብ ሓደጋ ዜእቱ ጸገማት ዘጋጠማ ሰበይቲ ኸም ብኣማላድነቱ ከም ዝሓወየት ተረጋገጸ።

ሳምንታዊ መደብ ጸሎት ኣዋጅ ቅድስና

እዚ መደብ ጸሎት ክሳብ ቀዳም ዕለት 6 መስከረም፣ ኣብ ቤተ ጸሎት ደብረ ቅዱስ ተኣምር ብዝካየድ ንጥፈታት ክቕጽል እዩ። ሰንበት ዕለት 7 መስከረም፡ ኣብ ዕለተ ኣዋጅ ቅድስናኡ ድማ ፍሉይ መደባት ካብ ሰዓት 4፡00 ቅ.ቀ. ኣብ ሰበኻ ቅዱስ ሳባስትያን ክካየድ ኢዩ፡ ቀጥታዊ ፈነወ ስነ-ስርዓት ቅድስናኡ ከአካብ ሃገረ ቫቲካን ክመሓላለፍ ኢዩ። እዚ ንጥፈታት እዚ ክሳብ ሰዓት 11፡30 ቅ.ቀ. ዝቕጽል ኮይኑ፡ ኣብ ክለብ ኤስቶሪል ብናይ ህዝባዊ ሕብረት ዝካየድ መደብ ምሳሕ ክዛዘም እዩ።

04 Sep 2025, 14:32