ኣብ ልዕሊ ኣርባዕተ ቀረሜለሳውያን ደናግል ልኡካን ኣሓት ቅድስቲ ተረዛ ዘሕጻነ ዘጋጠመ ሓደጋ ሞት
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
እቲ ናይ ሞት ሓደጋ ዕለት 16 መስከረም ኣብ ከባቢ ሰዓት 23፡00 ኣብ ከተማ ምዋንዛ ታንዛንያ ዘጋጠመ ኮይኑ፡ እታ ሓሙሽተ ገዳማውያን ኣባላት ማሕበር ቀርመለሳውያን ልኡካነ ወንጌል ኣሓት ቅድስቲ ተረዛ ዘሕጻነ ኢየሱስ ንሮማ ንኽምለሳ ናብ ዳር ኤስ ሰላም ናብ ዝርከብ መዓርፎ ነፈርቲ ምዋንዛ ዝጓዓዛላ ዝነበረት ማኪና ምስ ሓንቲ ዓባይ ናይ ጽዕነት ማኪና ድሕሪ ምግጫዋ ዘጋጠመ ኮይኑ፣ እቶም በቲ ሓደጋ ዝሞቱ ሓሙሽተ ሰባት ናይቲ ማሕበር ደናግል ጠቕላሊት ሓለቓ እናቴ ሊሊያን ካፖንጎ፣ ናይቲ ማሕበር ሓፈሻ ዋና ጸሓፊት እናቴ ነሪና፣ እናቴ ዳማሪስ ማተካን እናቴ ስተላማረን ናይታ ማኪና መራሕን ከም ዝኾኑን ሻድሸይተን ብዘጋጠማ ከቢድ መጉዳእቲ ምኽንያት ኣብ ቤት ሕክምና ቡጋንዶ ምዋንዛ ከም እትርከብ ዜና ቫቲካን ካብ ካቶሊካዊት ቤተ ርክስቲያን ታንዛኒያ ዝወጸ ሓበሬታ ጠቒሱ የመላኽት።
ናይ ዳረ ኤስ ሳላም ሊቀ ጳጳሳት ይሁድ ታዴዎስ ሩዋይቺ ካብ ዳረ ኤስ ሰላም ብስልኪ ንቫቲካን ኒውስ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ እቲ ሓደጋ “ንማሕበር ቀርመለሳውያን ልኡካነ ወንጌል ኣሓት ቅድስቲ ተረዛ ዘሕጻነ ኢየሱስ ጥራይ ዘይኮነ፡ ንመላእ ህዝበ እግዚኣብሔር ኣብ ታንዛንያ ከቢድ ክሳራ እዩ” እንክብሉ ዝተሰመዖም መሪር ሓዘን ገሊጾም፣ እቲ ሓደጋ “ኣርባዕተ ናይቲ ማሕበር ደናግል ላዕለዎት ኣካላት ዝዘመተና ብሓቂ ከቢድ ፍጻመ እዩ፣ ኣብዚ ናይ ሓዘን ግዜ ምስ ኣሓት ቀርመሌሳውያን ኴይንና ልዑል እግዚኣብሔር ነተን ዝዓረፋ እንፈትወን ኣሓትና ዘለኣለማዊ ዕረፍቲ ክህበን ነተን ኣብ ሕክምና ዝርከባ ድማ እግዚኣብሔር ክፍውሰን ኣብ ጸሎት ንጠርነፍ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።