ድለ

2023.11.30 ENCONTRO CELAM TEOLOGICO

CELAM ሥነ-መለኮታዊ ተቕዋም ውጥን ሥርዓተ ኣከባቢ ፓን ኣመሪካ የቅርብ

ዝሓለፈ ሰሙን ሓደ ኣባል ማእከል ሥነ-መለኮት ናይ ቤትምኽሪ ጉባኤ ጳጳሳት ላቲን ኣመሪካን ካሪብያን ዝኾነ ነቲ "ብሓባር" ኣብ ዝብል ኣርእስቲ ንዝካየድ ተበግሶ ንጳጳሳት ላቲን ኣመሪካን ካሪብያን ኣቕረበ፣ እዚ ተበግሶ እዚ ንኣውራጃ ፓን-ኣመሪካ ብእተፈላለየ ቛንቋታት ብዛዕባ ሲኖዳውነት ስልጠናን ተግባራዊ መደባትን ከም ዝህብ ድማ ገለጸ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ራፋኤል ሉስያኒ ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ዝገብሮ ናይ ብሕቲ ምርኻብ፣ ተራ ናይቲ ሥነ መለኮታዊ ምሁርን ዳይረክተር ናይቲ ኣብ ላቲን ኣመሪካን ካሪብያን ዝርከብ ኤጲስቆጶሳዊ ጉባኤ ዝመርሖ ማእከል ቅዱስ መጽሓፋዊ ሓዋርያዊ ጉሥነት (CEBITEPAL) ነቲ በዚ ቤት ምኽሪ ጉባኤ ጳጳሳት እተወደበ ናይ ፓን-ኣመሪካ ሲኖዳውነት ንዕቃቤ ሥነ ኣከባቢ እተስምየ ውጥን ዘበገሶ ኣቕረበ። ኣብ ዝቕጽል ወርሒ ኣብ ዓመት ኢዮቤል ጕጅለታት እዚ ውጥን ሲኖዳውነት ብወግዒ ንጥፈታቶም ከም ዝጅምሩ ውን ገሊጹ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምስ ራፋኤል ሉቺያኒ ዝገብሮ ርክብ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምስ ራፋኤል ሉቺያኒ ዝገብሮ ርክብ

ብሓድነት፣ ብጥምረት፣ ብውህደት

ቤት ምኽሪ ጉባኤ ጳጳሳት ላቲን ኣሜሪካን ካሪብያን ምስቲ ኣብ በርክሊ ዚርከብ ቤት ትምህርቲ ሥነ መለኮት ማሕበር ኢየሱሳውያን ሰብኡትን ኣንስትን ላቲን ኣመሪካን ከምኡውን ምስ ናይ ኣመሪካ ምንቅስቓስ ሲኖዳውነት ሓቢሩ ይዓዪ ኢዩ ዘሎ

እዚ ውጥን ድማ ብእተፈላለየ ቛንቋታት ክኻየድ ኢዩ፣ ሸቶኡ ኸኣ ኣብ ሥነ-መለኮትን ወንጌላዊ ኣገልግሎትን "ብመርበብ መራኸቢ ብዙሓን" ኣቢሉ ከካየድ ኢዩ። ብሓባር  ኣብ ዝብል ኣርእሲ ብዕያይ ድማ ብምሉኡ እቲ ዞባ ፓን ኣመሪካ ናይ ምንቅስቓስን ምስ ውጥናት ምትሕብባርን ከተባብዑ ኢዮም።

ብፁዕ ኣቡነ ሊዛርዶ ኤስትራዳ ሄሬራ ዋና ጸሓፊ ቤት ምኽሪ ጉባኤ ጳጳሳት ላቲን ኣመሪካን ካሪብያን
ብፁዕ ኣቡነ ሊዛርዶ ኤስትራዳ ሄሬራ ዋና ጸሓፊ ቤት ምኽሪ ጉባኤ ጳጳሳት ላቲን ኣመሪካን ካሪብያን   (©ADN Celam)

ድሮ ኣብ ኪደት ኢዩ ዘሎ

እቲ ቐዳማይ ክፋል ናይዚ ውጥን ንልዕሊ 30 ዝኾኑ ክኢላታትን ተሳተፍትን ሲኖዶስን፣ ከም ኢጣልያዊ ሲኖዳውነት ዝኣመሰሉ ተወከልቲ ኻልእ መስርሕ ሲኖዶውነትን ዝሓዘ፣ ብመስመር ኢንተርነት ዝወሃብ ሰፊሕን ናጻን ስልጠናታት ዝሓዘ እዩ። ካብ እተፈላለየ ዅርናዓት ዓለም ዝመጹ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዚቝጸሩ ተሳተፍቲ ድማ ኣብቲ ኣኼባ ኺሳተፉ ትጽቢት ይግበረሎም ኣሎ።

እዚ ስልጠና እዚ ነቲ ቐንዲ ረቛሒታት ናይ መወዳእታ ሰነድ ናይቲ መበል 16 ስሩዕ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሲኖዶስ ክሽፍን ኢዩ። ኣባላት ቤት-ጽሕፈት ሓፈሻዊ ጉባኤ ሲኖዶስ እንተላይ ብፁዕ ካርዲናል ማሪዮ ግሪችን፣ ብፁዕ ካርዲናል ዣን-ክሎይድ ሆለሪኽን ከምኡውን ክብርቲ እናቴ ናታሊ ቤካርትን መደረታት ከቕርቡ ኢዮም።

ኣገዳሲ ትሕዝቶታት ናይቶ መዛዘሚ ሰነድ ንምግላጽ ብእተፈላለየ ቛንቋታት እተዳለወ ን10 ደቒቕ ዝወስድ ተኸታታሊ ቪድዮታት ውን ክዝርጋሕ ኢዩ። እዚ መሳርሒታት እዚ ኣብ መላእ ዓለም ንዝግበር መደባት ንምንቅስቓስ ብሉጽ ትምህርታዊ መሳርሒ ክኸውን ኢዩ፣ ዝብል ሓሳባት ውን ኣሎ።

ብፁዕ ኣቡነ ሊዛርዶ ኢስትራዳ ሄሬራ ዋና ጸሓፊ ቤት ምኽሪ ጉባኤ ጳጳሳት ላቲን ኣመሪካን ካሪብያን፣ ሆሴ ሉዊስ ሎዮላ ኣቦ መንበር ማሕበር ክላርን፣ እቶም ናይቲ ኣብ በርክሊ ዚርከብ ቤት ትምህርቲ ሥነ ሃይማኖት ማሕበር ኢየሱሳውያን ሓለቕ ዝዀነ ክቡር ኣባ ኣግቦንክያንመገ ኦሮባተርን ፣ ምክትል ዋና ጸሓፊ ቤት ምኽሪ ጉባኤ ጳጳሳት ላቲን ኣመሪካን ካሪብያን ክቡር ኣባ ኤሪክ ጋርሲያን ድማ ኣብቲ መደብ ወግዓዊ ምኽፋት እዚ ሓድሽ ስልጠና እዚ ኽካፈሉ ኢዮም።

ካልእ ተወሳኺ ስጕምቲ ንቕድሚት

እዚ ተበግሶ እዚ ንቤተ-ክርስትያን ላቲን ኣመሪካን ካሪብያን ብዓለምለኻዊ ምትሕብባር ንምትብባዕ ንሳልሳይ ደረጃ ሲኖዶሳዊ ጕዕዞ ሲኖዳውነት ከኣ ጋህዲ ንምግባር ዝሕግዝ ካልእ ስጕምቲ ክኸውን ኢዩ። ብምሉኡ እዚ ጕዕዞ ብ2028 በቲ ኣብ ሮማ እተኻየደ ዓለም ለኻዊ ዓብዪ ጉባኤ ኪዛዘም እዩ ተዳልዩ ዘሎ።

04 Sep 2025, 14:36