ፊሊፒናውያን ካቶሊካውያን ንፖለቲካዊ ለውጢ ኣብ ጸሎትን ጾምን
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ፊሊፒንስ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ማእከል ፖለቲካዊ ብድሆታት ትርከብ። ካብዚኦም ኣብ ቀረባ እዋን ብላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ዝተኣገደን ብላዕለዋይ ሓጋጊ ቤት ምኽሪ ዝተወገደ ምኽትል ርእሰ ብሔር ካብ ስልጣን ምእላይ ዝብል መስርሕን ኣብ መላእ ሃገር ዘጋጥም ምዕልቕላቕ ማይ ዘስዕቦ ኩለ መዳያዊ መጉዳእትን ነዚ ንምክልኻል ብቕዓት ዘይብሉ ዝቐርብ ውጥናትን ንዓበይቲ ህብረ ኢንዳስትሪታት ዝወሃብ ፍቓድ ዕደና ኣብታ ሃገር ዘስዕቦ ዘሎ ምህዳራዊ ብከላን ከምኡ’ውን ብልሽውናን ብላዕን ዝምልከት ጉዳያት ዝጥቀስ ኮይኑ፣
ብመሰረት ፊደስ ኣገልግሎት ዜና ነዚ መሰረት ብምግባር፣ ኣብ ማእከል ፖለቲካዊ ብድሆታት ፊሊፒንስ፡ ካቶሊካውያን ውድባትን፡ ማሕበረሰባትን ትካላትን "ንሓባራዊ ረብሓ እታ ሃገር" ለውጢ ንምምጻእ ኣብ ጾምን ጸሎትን ዝተመርኮዘ ተበግሶታት ከም ዝጀመሩን እቲ ዕላማ፡ ምእመናን ብዛዕባ ሰናይ ምሕደራ፡ ጽገና ናይ ምርጫ ጉዳይ ዝምልከት ሕጊ፡ ከምኡ’ውን ኣብታ ሃገር ብቐጻሊ ዝረአ ስድራ ቤታዊ ፖለቲካዊ ስርወ መንግስቲ ከብቅዕ - ማለት - ምእመናን ኣብ ናይ ሓባር ረብሓ ከተኩሩ ምህናጽ ዝብል ምዃኑ ዜና ቫቲካን ይሕብር።
ተበግሶታት ንለውጢ
ካብ ሰበኻ ኩባኦ ኣባ ሮበርት ረየስ - ኣባል ጉጅለ ካህናት ንሰናይ ምሕደራ (CGG) - ኣብቲ ብውሉደ ክህነት ዝተወደበ መደብ ጾምን ጸሎትን ኣብ ዘስመዖ መደረ፣ እቲ ንሶም ኣባል ዝኾኑሉ ማሕበር “ኣብ ህዝባዊ ኣገልግሎት ግብረ ገባዊ ተወፋይነት ዘለዎን ኣብዚ መዳይ ድማ ምእመናን ኣብ ዝኾነ ይኹን ኣግልግሎቶም ግብረ ገባውያን ኣብ ምዃን ዝሃንጽ፣ “ንሓቀይና ለውጢ” ተወፋይነት ዘለዎ ማሕበር እውን ምዃኑ ከም ዝገለጹን፣ ብርክት ዝበሉ ኣብቲ መደብ ጾምን ጽሎትን ዝተሳተፉ ነቲ ላዕለዋይ ቤት ፍርድን ላዕለዋይ ቤት ምኽርን ምክትል ርእሰ ብሔር ብምግባረ ብልሽውና ካብ ስልጣን ምእላይ ዝብል መስርሕ ንምዕጋት ዝወሰድዎ ውሳነ ብወግዒ ክግምገም ዝሓተቱ ምንባሮም ፊደስ ኣገልግሎት ዜና ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ ካብዚ ሓሊፉ እቲ ጉጅለ ካህናት ስልጣን ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ከምኡ እውን ህዝባዊ ባይቶን ላዕለዋይ ሓጋጊ ቤት ምኽርን ንሓቅን ፍትሕን ንሰናይ ህዝቢ ዝጣበቑ ክኾኑ ጻውዒት ከም ዘቕረበ ኣፍሊጡ።