ጳጳሳት ደቡባዊ ንፍቀ ክቢ ዓለም ው. ሕ. ሃ. ንሸቶ ክሊማ ዓለም ምሕጽንታ ኣቕሪቦም
ካብ ኣፍሪቃ፣ እስያ፣ ላቲን ኣመሪካን ካሪብያን ዝመጹ ጳጳሳት ቅድሚ እቲ ካብ ዕለት 10 ክሳዕ ዕለት 21 ሕዳር 2025 ኣብ ብራዚል ዝካየድ ጉባኤ COP30 ኣብ ቅልውላው ኣከባቢያዊ ኩነታት ኣየር ህጹጽ ስጕምቲ ክወስዱ ጻውዒት ኣቕሪቦም።
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ንካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ኣፍሪቃ፣ እስያ፣ ላቲን ኣመሪካን ካሪብያን ዝውክሉ ጳጳሳት፣ ነቶም ኣብ ኒው ዮርክ ኣብ ሓፈሻዊ ባይቶ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን፣ ናብ ላዕለዋይ ጉባኤ ኣከባቢያዊ ኩነታት ኣየርን ሓያል ጻውዒት ኣቕሪቦም።
ናብ ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተሬዝን፣ ናብ ኣቦ መንበር መበል 80 ሓፈሻዊ ባይቶ ኣናሌና በርቦክን ከምኡውን ናብ ዋና ጸሓፊ ውዕል ለውጢ ኣከባቢያዊ ኩነታት ኣየር ውድብ ሕቡራት ሃገራት (UNFCCC) ሳይመን ስቲል፣ ኣብ ዝጸሓፍዋ ደብዳበ፣ እዞም ጳጳሳት ብዛዕባ መጻኢ ዓለምና ዘለዎም "ጽቡቕ ትምኒትን ዓብዪ ሓልዮትን" ገሊጾም፣ መራሕቲ ዓለም ድማ ካብቲ ኣብ ፓሪስ እተሰማምዓሉ ውዕል፣ ሙቐት ዓለም ኣብ 1.5 ዲግሪ ሴንቲ ግሬድ ደረት ዘይዝምብሉ ተማሕጺኖም።
"ንሕና ጳጳሳት ደቡባዊ ንፍቀ ክቢ ዓለም፣ ነዚ መልእኽቲ ከነቕርበልኩም ክብሪን ዕቤትን ይስምዓና. . . ብምኽንያት ጉባኤ COP30 – ጻውዒት ፍትሒ ኣከባቢያዊ ኩነታ ኣየርን፡ ሓባራዊት ቤትን፣ ቅልውላው ሥነ ኣከባብን ናይ ሓሶት መፍትሒታትን ድማ ንጻረር" ክብሉ ኣብ መልእኽቶም ገለጹ። ወሲኾም ድማ እቲ መግለጺ ድሮ ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮ መበል 14ን ንኣብያተ-ክርስትያናትን ከም ምልክት "ሓባራዊ ሓላፍነትን ንሓባራዊ ቤትና ዘሎና ተጸምዶን" ከም ዘንጸባርቕ ውን ገለጹ።
ትንቢታዊ ድምጺ
እዞም ጳጳሳት ነቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ስቡህ ኣንተ እተሰምየ ዓዋዲት መልእኽቶም ዝበልዎ ቓላት ብምዝካር፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ፍትሒ እተመስረተ ምሉእ ሥነ ኣከባቢያዊ ተጸምዶ ንኺህሉ ዘቕረብዎ ጻውዒት ብምዝካር፣ ህጹጽነት እቲ ቕልውላው ንምድንጓይ ወይ ንምቕናስ ቦታ ኸም ዘይህብ ኣጕሊሖም እዮም።
"ቤተክርስትያን ስቕ ኣይክትብልን እያ" ክብሉ ውን ጸሓፉ። "ፍትሒ ኽሳዕ ዚፍጸም ኣብ ጐድኒ ስነ-ፍልጠትን ሲቪላዊ ማሕበረ ሰብን፣ እቶም ኣዝዮም ተኣፈፍቲ ዝኾኑ ሰባትን ብሓቅን ብትብዓትን ብጽንዓትን ድምጽና ኸነስምዕ ኢና" ክብሉ ውን ኣትሪሮም መስከሩ።
እሶም ጳጳሳት እቲ ኣብ 2024 ዓ.ም. ናብ 1.55 ዲግሪ ሴንቲ ግሬድ ዝበጽሐ ምውሳኽ ሙቐት ዓለም "ተክኒካዊ ጸገም ጥራይ ዘይኰነስ ፍትሕን ክብረትን ሓልዮትን ሓባራዊ ቤትና እዩ ዘርኢ" ብምባል ኣጕሊሖም።
ናይ ሓሶት መፍትሒታት ምንጻግ
እታ ደብዳበ ከም ዝገለጸቶ፣ ነቲ ከም ቀጠልያ ንግዲ ዓለምን፡ ቴክኖሎጅያዊ ምዕባሌን፡ ምዝመዛ ተፈጥሮን ዝኣመሰሉ "ናይ ሓሶት መፍትሒታት" ክትብል ዝገለጸቶ ኩነታት ውን ኰኒናቶ ትርከብ፣ እዚ ድማ ይብሉ እዞም ብፁዓን ጳጳሳት "ምዝመዛን ምጕዳል ፍትሕን ከም ዝቕጽል ይገብር ስለሎ" ኢና ዘጠንቀቕና ይብሉ።
ኣብ ክንዳኡስ ንፍትሕን መሰላትን ዕቝባን ቀዳምነት ዚህብ ፖሊሲታት ኪህሉ ይጽውዑ። "ሃብታማት ሃገራት ንደቡብ ንፍቀ ክቢ ዓለም ተወሳኺ ዕዳ ኸይገበራ፣ ሥነ ኣከባቢያዊ ክሳራ ብፍትሓዊ ናይ ኩነታት ኣየር ካሕሳ ክኸፍላ ኣለወን" ብምባል እቶም ጳጳሳት ነቶም ኣዝዮም ተነቀፍቲ ኣካላት ዝጎደሎም ፍትሓዊ መሰጋገሪ ኣድላዪ ምዃኑ ኣትሪሮም ይምስክሩ።
ንመራሕቲ ዓለም ዝቐረበ መሕትት
እዞም ጳጳሳት ኣብ ዘቕረብዎ ጻውዒት፣ ንመንግስትታት ከምዚ ዝስዕብ ክግበሩ ተማሕጺኖም፦
1ይ - ስምምዕ ፓሪስ ምፍጻምን፣ ምስቲ 1.5 ዲግሪ ሴንቲ ግሬድ ዝብል ዕላማ ዘለዎ ተበግሶታት ብምስምማዕ ብሃገር ደረጃ ዝተወሰነ ወፈያታት ንምፍጻም ቃል ምእታው፣
2ይ - ኣብ ደቡብዊ ንፍቀ ክቢ ዓለም ንዝርከቡ ተጻዋርነት ዘለዎም ማሕበረሰባት ንምድጋፍ እኹል ናይ ሥነ ኣከባቢያዊ ጽላት ባጀት ምስላዕ፣
3ይ - ነቲ ሓባራዊ ረብሓ ልዕሊ መኽሰብ ብምቕማጥ ቀስ ብቐስ ድማ ምዝመዛ ነዳዲ ምውጋድ፣
4ይ - ንደቀባት ብህይወት ንምንባርን ንመጻኢ ወለዶታትን ምዕቃብ፣ ዝብሉ ኢዮም ዝንበሩ።
ናይ ዘተን ምትሕብባርን ጻውዒት
እዞም ጳጳሳት ነቲ ስዒቡ ኣብ ብራዚል ዝካየድ ጉባኤ COP30 ክዳለዉ ኸለዉ ንመራሕቲ ዓለም ኣብ ዘቕረብዎ ምሕጽንታ፣ ኣብ ሓይሊ ዘተ ምትእምማን ከም ከም ዘድልዮም ገሊጾም -
"ኣብ ሓቅን ፍትሕን እተመስረተ ሓቀይና ዘተ ንዓለምለኻዊ ማሕበረሰብ ናብቲ ዘድሊ ዓሚቝ ለውጥታት ክመርሖ ከም ዝኽእል ርግጸኛታት ኢና" ክብሉ ውን ኣብ መልእኽቶም ጸሓፉ። "ህጹጽነት ናይዚ ህሞት እዚ ንምድንጓይ ንምጉዳን ወይ ንንፍርቂ ስጕምትታት ባይታ ኣይህብን ኢዩ።"
እዚ መግለጺ እዚ ብብፁዕ ካርዲናል ሃይሜ ስፔንግለር ኣቦ መንበር ቤት ምኽሪ ጉባኤታት ጳጳሳት ላቲን ኣመሪካን ካሪብያን ካብ ብራዚል፣ ብፁዕ ካርዲናል ፊሊፔ ኔሪ ፌራኦ ኣቦ መንበር ፈደረሽን ጉባኤታት ጳጳሳት እስያ ካብ ህንዲን፣ ከምኡውን ብፁዕ ካርዲናል ፍሪዶሊን ኣምቦንጎ በሱንጉ ኣቦ መንበር ቤት ምኽሪ ጉባኤታት ጳጳሳት ኣፍሪቃን ካብ ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎን ዝኸተምዎ ኢዩ ዝንበረ።