2025.09.08 african women theologians conference 2025.09.08 african women theologians conference 

ኣፍሪቃውያን ደቂ ኣንስትዮ ሊቃውንቲ ስነ-መለኮት ንሲኖዶሳዊት ቤተ-ክርስትያን ሓድሽ መገዲ የሰናድዋ

ኣብ ናይሮቢ ዝርከብ ተቕዋም መንበረ ጥበብ ሂኪማ፣ ምስ ማሕበር ዋታዋ ዋ ታ ብምትሕብባር ካልኣይ ጉባኤ ኣፍሪቃውያን ደቂ ኣንስትዮ ሊቃውንቲ ስነ-መለኮት ኣአንጊዱ ይርከብ ኣሎ፣ እዚ ጉባኤ እዚ ድማ ድምጺ ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ስነ-መለኮታዊ ትምህርትን መሪሕነት ቤተ-ክርስትያንን ንምምሕያሽ ዝዓለመ እዩ ዝንበረ።

ኣባ ተወልደ መባራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ ካብ ዕለት 3 ክሳዕ ዕለት 6 መስከረም "ሲኖዳውነት ኣብ ተግባሬ ሓዳስ ቤተ ክርስትያን፣ ህያው ናይ ደቂ ኣንስትዮ ሜመያን መሪሕነትን ንመበል 21 ክፍለ-ዘመን" ብዝብል ኣርእስቲ ዝተኻየደ ጉባኤ፣ ካብ ኣፍሪቃ ኣውሮጳን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ዝመጹ ምርኡያት ሊቃውንቲ ሥነ መለኮትን፣ መምህራንን ካህናትን ከምኡ ውን ጓሶት ነፍሳትን ኣብቲ ጉባኤ ተሳቲፎም። ሓባራዊ ኣትኵሮኦም ድማ ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ስነ-መለኮታዊ ትምህርትን መሪሕነት ቤተ-ክርስትያንን ምትብባዕ ከምኡውን ብዛዕባ መጻኢት ቤተ-ክርስትያን ኣብ ኣፍሪቃን መላእ ዓለምን ዝርርብ ንምትብባዕ ኢዩ ዝንበረ።

ኣብዚ ቐረባ ዓሰርተታት ዓመታት ዕቤት እኳ እንተ ተገበረ፣ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ስነ-መለኮታዊ ትምህርቲ ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን ብዙሕ ክሳተፋ ኣይተረክባን። ኣቦ መንበር እቲ ጉባኤን ምክትል ርእሰ-መምህራንን ሥነ ትምህርታዊ ጕዳያትን ተቅዋም መንበረ ጥበብ ሄኪማ ክብርቲ እናቴ ጃሲንታ ኣውማ ኦፖንዶ ስነ-መለኮታዊ መሠረት ቤተ-ክርስትያን፣ ብዘይ ሓሳባት ደቂ ኣንስትዮ ዘይተማልአ ምዃኑ ኣጕልሓ። ተልእኾ እዚ ዋዕላ እዚ ንኣፍሪቃውያን ደቂ ኣንስትዮ ስነ-መለኮት ኣብ ዓለምለኻዊ መድረኽ ምሃብን ንመጻኢት ቤተ-ክርስትያን ኣብ ምቕራጽን ዘለወን ግደ ንምድልዳልን እዩ ዝንበረ።

ቀንዲ ዛዕባ ናይዚ ጉባኤ እዚ ድማ ኣብ ሲኖዶውነት ዘተኰረ እዩ ዝነበረ፣ እዚ ሓሳብ እዚ ኣብ ማእከል ራእይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ዝንበረ ኮይኑ፣ ንዅሉ እትሓቍፍ ቤተ-ክርስትያን ንምህናጽ እዩ። ተሳተፍቲ ንደቂ ኣንስትዮ ዝያዳ ትምህርትን ምኽርን ናይ መሪሕነት ኣጋጣሚታትን ከምኡውን ንመንእሰያት ምሁራት ሓይሊ ንምሃብ ናይ ምትሕብባር መራኸቢታት ክግበር ጻውዒት ኣቕሪቦም። ጉስነታዊ ክንክን መንፈሳዊ ሕክምና ምትሕብባርን ንምምስራት ከምኡውን ሓባራዊ ኣገልግሎታት ንምውህሃድ ውን ይጣበቑ፣ እዚ ኸኣ ነቲ ኣብ ማሕበረሰብ ኣፍሪቃ ዘሎ ህያው ክውንነት ምላሽ ዝህብ ግብራዊ ስጕምትታት እዩ ዝንበረ።

ክበቲ እናቴ ጊሴላ ራፋንዩ ክኢላ ሕክምና ስነ-ኣእምሮኣዊ መንፈሳዊት ከምኡውን ኣብቲ ጉባኤ እትሳተፋ ክብርቲ እናቴ ምኽርን ጉስነታዊ ክንክንን ኣብ ውሽጢ ቤተ-ክርስትያን፣ ኣብ ምሕዋይን ዕርቅን ኣገዳሲ ግደ ከም ዘለዎ ኣጕልሓ። ኣፍሪቃውያን ደቂ ኣንስትዮ ሊቃውንቲ ሥነ መለኮት ፍሉይ ኣረኣእያ ከም ዘምጽኣ ውን ኣጕልሓ፣ እዚ ድማ ነቲ ኣባታዊ መዋቕር ስድራቤታት ብድሆ ከም ዘምጽእ ከምኡውን ፍትሕን ማዕርነትን ውህደትን ከም ዘስፋሕፍሕ ኣጕልሓ።

ክብርቲ እናቴ ሙምቢ ኪጉታ ካብ ማሕበር ደናግል ክቡር ደም ኢየሱስ ኦሃዮ ዝመስረታኦ ተበግሶ ዋታዋ ዋ ታ እውን ኣቓልቦ ተገይሩሉ እዩ። እዚ ውጥን እዚ ታሪኽን ኣበርክቶን ናይተን ኣፍሪቃውያን ማሕበራት ደቂ ኣንስትዮ ሰብ ውፉይ ሕይወት፣ ብፍላይ ከኣ እተን ኣብ ኣገልግሎት ፍትሕን ትምህርትን ጉስነታዊ ክንክን ዝሰርሓ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ኣጸጋሚ ዅነታት ዝርከባ ኢያተን። እዘን ኣገልገልቲ መብዛሕትኡ ግዜ ስራሐን ዘይርአ ምዃኑን፣ ከም ዋታዋ ዋ ታ ዝኣመሰሉ መድረኻት ድምጸን ንምስማዕ ወሳኒ ምዃኑን ኣጕሊሖም እዮም።

ኣብ መደምደምታ እቲ ዋዕላ ቤተ-ክርስትያን ኣፍሪቃ ንሲኖዳውነት ከም ኣገባብ ኣነባብራ ክትቅበል ጻውዒት ኣቕረቡ፣ እዚ ድማ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ውሳነ ምግባርን ናይ ምትሕብባር ተልእኾን ሓቀይና ተሳትፎ ከም ዘለወን የረጋግጽ። ስልጣን ዝረኸባ ደቂ ኣንስትዮ ሊቃውንቲ ሥነ መለኮት ዝያዳ ዝሓቘፈትን፣ ፍትሓውን ንህዝባ ዘድልዮም ነገራት ምላሽ እትህብን ቤተ-ክርስትያን ከማዕብሉ ምዃኖም ውን ተሰማምዑ።

09 Sep 2025, 18:43