ድለ

ናይ ቴህራንን ኢስፋሓን ሊቀ ጳጳሳት ካርዲናል ማቲዮ፣ ዘተ ዳግማይ ክጅመር ንጸሊ! ናይ ቴህራንን ኢስፋሓን ሊቀ ጳጳሳት ካርዲናል ማቲዮ፣ ዘተ ዳግማይ ክጅመር ንጸሊ!  (AFP or licensors)

ናይ ቴህራንን ኢስፋሓን ሊቀ ጳጳሳት ካርዲናል ማቲዮ፣ ዘተ ዳግማይ ክጅመር ንጸሊ!

ኣብ ኢራን ናይ ቴህራን - ኢስፋሓን ናይ ላቲን ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ሊቀ ጳጳሳት ካርዲናል ዶሚኒክ ጆሴፍ ማቲዮ ብዛዕባ እቲ ኣብ መንጎ እስራኤልን ኢራንን ተፈጢሩ ዘሎ ግጭት ኣማእኪሎም ምስ መራኸቢ ብዙሃን ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፣ “ምስ ተመዛበልቲ፡ ምስ ውጉኣት እራኸብ፡ በቲ ግጭት ምኽንያት ሓደጋ ሞት ንዘጋጠሞም ንጽልን እንክብሉ ብዛዕባ ህልዉ ኩነታት ሓቢሮም፣ ኣብ ክልትኤን ሃገራት ግዳያት ብዙሓት እያቶም። ብዙሓት ካብ ገዝኦም ይመዛበሉን ናብ ውሑስ ቦታ ክግዕዙ ዘገድድ ብናይ ውግእ ነፈርቲ ዝካየድ ኲናት እዩ” እንክብሉ ይገልጹ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ኢራን ናይ ላቲን ስርዓት ናይ እትኽተል ሰበኻ ቴሄራን - ኢስፋሕን ሊቀ ጳጳሳት ካርዲናል ዶሚኒክ ጆሴፍ ማቲዮ ካብታ ንኸቢድ ደብዳብ ዒላማ ኮይና ኣብ ዓቢይ ጸቕጢ እትርከብ ርእሰ ከተማ ኢራን ብስልኪ ምስ መራኸቢ ብዙሃን ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፣ ተፈጢሩ ዘሎ ግጭት ዘሰንብድ ምዃኑ ይገልጹ።

ዶብ ዘይብሉ ግጭት

ኣብ መንጎ እስራኤልን ኢራንን ዘራኽብ ዶብ ብዘይምህላዉ እቲ ውግን ብናይ ውግእ ነፈርትን ብሚሳይላትን እዩ ዝካየድ፣ እዚ ድማ ዶብ ኣየር ካልኦት ብስርዓት ብዝጥሕስ ኣገባብ ዝካየድ እዩ ኮይኑ ዘሎ፣ ኣብ ኢራን ዝርከባ ኣባይቲ ጽሕፈት ልኡካነ መንግስታት ዝተፈላለያ ሃገራት ምሉእ ብምሉእ ቅድሚ ምዕጻወን ኣብዚ ሰሙን እዚ ናይቲ ግጭት ምዕባለታት እንታይን ከመይን ከም ዝኸውን ይጽበያ ከምዘለዋ ድማ ሓቢሮም፣ እዚ ግጭት እዚ ብሰላማዊ መገዲ ጥራሕ እዩ ክፍታሕ ዝኽእል ካብዚ ወጻኢ ሞትን ህልቂትን ጥራሕ እዩ ዝኸውን ኢሎም።

ደም ብኸንቱ ፈሰሰ

ሊቀ ጳጳድስይ ቴህራን - ኢስፋሕን ብዛዕባ ከንቱነት ኲናት ብሻቕሎት እስንከስተንትኑ፣ "ፍታሕ ኣይኮነን" ግጭት ብፍጹም ፍታሕ ክኸውን ኣይክእልን እዩ። "ምናልባት ተጻባእቲ ሃገራት ናብ መኣዲ ዘተ እንተዝምለሱ እዩ ዝሓሸ። በዚ ምኽንያት ድማ “ናይ ዘተ መድርኽ ክብገስ ኣበርቲዕና ክንጽሊ ኣሎና - ምስ በሉ - ኣብዚ ቅንያት እዚ ኣብ መንጎ ዜጋታት ዝርኣ ዘሎ ምትሕግጋዝ ዓሚቝ ምዃኑ ከም ዘስተውዓሉ ሓቢሮም፣ ውግእ ዝደሊ ህዝቢ የሎን፣ ነዚ ህዝቢ እዚ ምስማዕ የድሊ” ይብሉ።

ልባዊ ምስጋና ንጸሎት

ደሙ ብምፍሳስ ንዓለም ኣብ ዘድሓነ ክርስቶስ ተጠርኒፍና ንጸሊ እንክብሉ ኣብ መወዳእታ ካርዲናል ማቲዮ ጳውሎስ ናብ ሰብ ኤፌሶን ኣብ ዝጸሓፎ መልእኽቲ "ኢየሱስ ኣብ መንጎኦም ዝነበረ መንደቕ ምፍልላይ ኣፍሪሱ ንኽልቲኦም ሓደ ህዝቢ ከም ዝገበሮም' ዝነግር ጽሑፍ ኣሎ፣  እዚ ድማ ኣብ ሞንጎ ዝነበረ ጽልእ ከም ዘወገዶ ዘረጋግጽ እዩ" እክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

20 Jun 2025, 17:35