ድለ

2025.02.26 Festa di Kidane Mihiret Cattedrale di Asmara 2025.02.26 Festa di Kidane Mihiret Cattedrale di Asmara 

ዓመታዊ ክብረ በዓል ርእሰ ኣድባራት ኪዳነ ምሕረት ኣሥመራ

ዝሓለፈ ሰንበት ዕለት 23 ለካቲት 2025 ኣብ ርእሰ ኣድባራት ኪዳነ ምሕረት ኣስመራ ዓመታዊ ክብረ በዓል ኪዳነ መሕረት ብኽብ ዝበለ ሥነ ስርዓት ተኸቢሩ ውዒሉ። ኣብ ካብ ኩለን ቍምስናታትን ገዳማትን ብዙሓት ነጋድያን እተረኽቡሉ ብፁዕ ሊቀ ጳጳሳት ኣቡነ መንግስተኣብ ተስፋማርያም መሥዋዕተ ቅዳሴ ብምዕራግ ስብከት ቃል ኣምላኽ ለጊሶም።

ግርማይ ኣስፍሃ - ካብ ርእሰ ኤጳርቅናታት ኣስመራ

ዓመታዊ ክብረ በዓል ርእሰ ኣድባራት ኪዳነ ምሕረት ኣሥመራ፣ ከምቲ ስማ ሰላምን ራህዋን ክነግሥ፣ካብ ኣምላኽ ምሕረት ምእንቲ ከተማልድ፡ ኣብዚ ዓመተ ኢዮቤል ዓመት ንስሓ፡ ዕርቅን ድኅነትን ከኣ ዝወፈረ ብደሓን ተመሊሱ፡ ተስፉኡ ተሓዲሱ፣ ሓዲስ ሕይወት ክጅምር ክትልምነሉ፣ ሕዝበ ክርስቲያን ብጸሎተ መቊጸርያ፡ ምህለላ ስብሓተ ፍቁር፡ ስግደት ቅዱስ ቊርባንን፡ ብዝተፈላለየ ኣስተምህሮታትን ተሰንዩ፡ ብቅንያቱ ኣብ ጸሎት ታስዕቲ ተጸሚዱ ቀንዩ። ብዕለቱ ሰንበት 23 የካቲት 2025 ዓ.ም. ከኣ ብማኅሌት፡ መስዋዕተ ቅዳሴን ዑደትን ስብከት ቃለ እግዚኣብሔርን፣ ብመንፈሳውነትን ብዓቢይ ብድምቀትን ተኸቢሩ ውዒሉ። ኣብቲ ውሉደ ክህነትን ምእመናንን ብብዝሒ ዝተረኽብሉ፤ ብዓብይ ዓጀብን መንፈሳውነትን ዝተኸብረ ክብረ በዓል፣ ብፁዕ ኣቡነ ፍቕረማርያም ሓጎስ ጳጳስ ዘመንበረ ሰገነይቲ፡ ወኪል ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስቲያ ኤርትራ፡ ፕረሲደንት ወንጌላዊት ሉተራዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ፡ ወከልቲ ቤትጽሕፈት ሙፍቲ ኤርትራ፡ ሓለፍቲ ቤት ጽሕፈት ሃይማኖታዊ ጉዳያት ተረኪቦም ነይሮም።

ንግደት ርእሰ ኣድባራት ኪዳነ ምሕረት ኣስመራ
ንግደት ርእሰ ኣድባራት ኪዳነ ምሕረት ኣስመራ

ጸሎት ታስዕቲ

ኣብ ምስንዳው ክብረ በዓል ኪዳነ ምሕረት፡ ነተን ሾሞንተ መዓልታት ናይ ታስዕቲ ዝተዋህበ ኣስተምህሮታት፣ “እታ ተስፋ ኣይተሕፍርን እያ”(ሮሜ፡5፡5) ብብፁዕ ሊቀ ጳጳሳት ኣቡነ መንግሥተኣብ ተስፋማርያም፡ “ብሓደ እግዚኣብሔር ኣብ ነኣምን’’ ብኽብርቲ እናቴ ዓወት ተኪኤ፡ “ ብሓደ ወዱ ንኣብ ብጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ነኣምን” ብክብር ኣባ ግርማይ ኣብርሃ፡ “ብመንፈስ ቅዱስ ንኣምን” ብክቡር ኣባ ሃብተልዑል ገብራይ፣ “ኣብ ኩራኹም ጸሓይ ኣይትዕረብኹም”(ኤፈ.4፡26) ብክቡር ኣባ ሓጎስ ተወልደ፣ “ሕጊ ብሙሴ ተዋህበ ጸጋን ሓቅን ብኢየሱስ ክርስቶስ ኮነ”(ዮሓ. 1፡14) ብመምህር ሃብተ ወርዕሰብ፣ “ነቲ ቃል እግዚኣብሔር ለይትን መዓልትን ዘስተንትኖ ሰብ ብፁዕ ኢዩ” (መዝ.1፡2) ብክቡር ኣባ ሳህለ ሃይለ፣ “ምፍታሕ እጸልእ ኢየ” (ሚል. 2፡26) ብክቡር ኣባ ምሕረተኣብ  ሰሎሞን፣ ኣብ ዝብሉ ኣርእስትታት ተዋህበ።

ንግደት ርእሰ ኣድባራት ኪዳነ ምሕረት ኣስመራ
ንግደት ርእሰ ኣድባራት ኪዳነ ምሕረት ኣስመራ

ሥርዓተ ዋዜማ

ብድሮ ክብረ በዓል ኪዳነ ምሕረት፣ ማለት ቀዳም ዕለት 22 የካቲት 2025 ድሕሪ ቀትሪ ከኣ ብዙኃት ያሬዳውያን መዘምራንን ካህናትን ተመሃርቲ ዘርኣክህነትን ዘርኣ ምንኩስናን፣ ካብ ኩለን ሰበኻታትና ዝመጹ ቤተክህነትን ምእመናንን ዝተሳተፍዎ፣ ንፍርቂ እቲ ርሒብ ቤተክርስቲያን ኪዳነ ምሕረት ከቢቦም ብጥዑም ዜማን ቅኔን ንኣምላኽን ንቅድስት ድንግል ማርያም ኣዴናን ክውድሱ ኣምስዮም።

ማህሌትን መስዋዕተ ቅዳሴን

ኣብቲ ፍርቂ ለይቲ ዝጀመረ ጸሎተ ማኅሌት ዘሌሊት ከኣ፣ ያሬዳውያንን፣ ተማሃርቲ ዘርኣ ክህነትን ምእመናንን ክሳዕ ቅዳሴ ዝጅመር ቆይሞም ሥርዓተ ማህሌት ኣጽብሑ። ሲዒቡ ከኣ ብፁዕ ሊቀጳጳሳት ኣቡነ መንግሥትኣብ ተስፋማርያም ዘመንበረ ኣሥመራ፣ ምስ ብፁዕ ኣቡነ ፍቕረማርያም ሓጎስ ጳጳስ ዘመንበረ ሰገነይቲ፣ ብመስቀል ዝተመርሑ ኣርብዓ ለባስያን ካህናትን ተሰንዮም፣ መስዋዕተ ቅዳሴ ከዕርጉ ብማእከል ሕዝቢ ብመንበረ ታቦት እንኪኣትዉ፣ ሕዝቢ ከኣ ብዕልልታ ድሕሪ ኣሰንዩ፣ ክሳዕ ዝውዳእ ኣብ ውሽቲ ቤተክርስቲያንን ኣብቲ ኣብ ቀጽሪ ቤተክርስቲያንን ዝተተኽለ ዳስን ኮይኖም፣ ብህድኣትን ብዓቢይ መንፈሳዊ ሥርዓትን መሥዋዕተ ቅዳሴ ተሳተፎም።

ንግደት ርእሰ ኣድባራት ኪዳነ ምሕረት ኣስመራ
ንግደት ርእሰ ኣድባራት ኪዳነ ምሕረት ኣስመራ

ዑደት፡

ቅዳሴ ምስ ተፈጸመ፣ ታቦት ወጺኡ፡ ብማእለያ ዘይብሉ ዝምህለል ሕዝቢ ተሰንዩ፣ በቲ ልሙድ ጎደናታት ከተማ ኣስመራ፣ መስቀል ዝመርሑ ዲያቆናትን፡ ኣቦታትን ኣደታትን እናተማህለሉ፡ መንእሰያትን ያሬዳውያንን እናዘመሩ፡ ብመቍጽርያን ምህለላን ብቡራኬ ቅዱስ ቁርባን ምዕሩግን መንፈሳውነት ዝዓዘዞ ሥርዓተ ዑደት ተኻየደ። ኣብያተ ምኽሪ ምእመናንን መንእሰያት መዘምራንን ቊምስናታት ኣሥመራ ከኣ ኣብ ምምዕራግ እዚ ዑደት ዓቢይ ኣበርክቶ ኣወፈዩ። ሕዝቢ በብመዓርጉ ተሰሪዑ ዑደቱ  ፈጺሙ ምስ ተመልሰ፣ ያሬዳውያን ንኽብሪ እኖና ኪዳነ ምሕረት ብውዕውዕ መንፈሳውነት “ኣማን በኣማን ኪዳንኪ ኢይኃልቕ”፣ “ኪዳንኪ ኮነ ለኃጥኣን ቤዛነ” ቢሎም፣ ናይ ዕለቱ ወረባት ኣብጽሑ። መንእሰያት ከኣ ብወገኖም ናይ እግዚእትነ ማርያም ዝውድስ ብቋንቋ ጽሙማን ተሰንዮም ብሓባር መዛምር  ኣቕረቡ።

ንግደት ርእሰ ኣድባራት ኪዳነ ምሕረት ኣስመራ
ንግደት ርእሰ ኣድባራት ኪዳነ ምሕረት ኣስመራ

ቃለ እግዚኣብሔር

ናይ ዕለቱ እዋን ቃለ እግዚኣብሔር ምስ በጽሐ፣ ብፁዕ ሊቀጳጳሳት ኣቡነ መንግሥተኣብ ተስፋማርያም፣ ንኣጋይሽን ነቲ ክብረ በዓል ንምምዕራግ በብወገኖም ንዘበርከቱ ኩሎም ድሕሪ ምምስጋን፣ ንነጋድያን፣ንትሕትናን፡ እምነትን ተኣዝዞን እግዚእትነ ማርያም ካብ ቅዱሳን መጻሕፍትን ትምህርቲ ኣበውን እናጠቐሱ፡ “ትሕትና መንገዲ ጽድቂ እያ፣ ትዕቢት ድማ መንገዲ ጥፍኣት እያ። ኣዴና ማርያም እውን እግዚኣብሔር “ንዕቡያት ሓሳባት ልቦም በተነሎም፣ ንኃያላት ካብ ዙፋኖም ኣውረዶም፣ ንዝተዋረዱ ከኣ ልዕል ኣበሎም” ብምባል እግዚኣብሔር ፍትሐይናን ቅኑዕን ኣምላኽ ከምዝኾነ መስከረት ክብሉ ኣስተምሃሩ።

ብፁዕነቶም ኣስዒቦም እቶም ድኽመቶምን ድኽነቶምን ፈሊጦም ብትሕትና ናብኡ ዝቐርቡ ድማ ኣብ መንገዲ ድኅነት ከም ዝጐዓዙ ርጉጻት እዮም። ኣዴና ማርያም ከኣ ብሓቂ ኣማኒት ድንግል ስለዝነበረት ብዘይታህዋኽ ነቲ እግዚኣብሔር በብቊሩብ ዝገልጸላ ዝነበረ ተዋህልልን ተስተንትንን ነበረት። ተኣዝዞ ማርያም ከኣ እቲ ዝዓበየ ተኣምር ናይ ምሥጢረ ሥጋዌ ክፍጸም ማዕጾ ከፈተልና። እግዚኣብሔር ምሳና ክዛመድ ዝኸኣለ ሳላ ተኣዝዞኣ እዩ። ሓቀይና እምነት፣ ሓቀይና ፍቕሪ፣ ሓቀይና ተስፋውን ትእዛዛት እግዚኣብሔር ብምፍጻም እዩ ብተግባራዊ መንገዲ ዝግለጽ። ካልእ መንገዲ የልቦን። ከምቲ ኣዴና ማርያም ብትሕትና ቃል ኣምላኽ ሰሚዓ፣ ኣሚና፣ ከም ዝተኣዘዘት፣ ንሕናውን ቃል ኣምላኽ፣ ቃል፣ ሕይወት፣ መዓልቲ መጸ ጽን ኢልና ሰሚዕና፣ ክንኣምኖ፣ ኣሚንና ከኣ ክንእዘዝ፣ ኣብ ዕለታዊ ሕይወትና ከነተግብሮ ንዕደም ኣሎና።” ዚብል ዓሚቚን ሰፊሕን ተዮሎግያዊ ትሕዝቶ ዘለዎ፣ ቃል ኣምላኽ ለጊሶም።

ንግደት ርእሰ ኣድባራት ኪዳነ ምሕረት ኣስመራ
ንግደት ርእሰ ኣድባራት ኪዳነ ምሕረት ኣስመራ
26 Feb 2025, 15:24