ድለ

ኣቦ መንበር ጉባኤ ጳጳሳት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ሊቀ ጳጳሳት ቲሞትይ ብሮሊዮ ኣቦ መንበር ጉባኤ ጳጳሳት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ሊቀ ጳጳሳት ቲሞትይ ብሮሊዮ  (Credits: Senior Airman Kristin High)

ጳጳሳት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ገለ ካብ ፈጻሚ ትእዛዛት ትራምፕ ‘ኣዝዩ ዘጨንቖም' ምዃኑ ይሕብሩ

ኣቦ መንበር ጉባኤ ጳጳሳት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ሓድሽ ርእሰ ብሔር ሃገሮም ትራምፕ፡ ብዛዕባ ስደተይናታት፣ ናይ ሞት መቕጻዕትን ከባቢን ዝምልከት ዝኽተሎ ሓድሽ ስጉምቲ፥ "ኣዝዩ ዘጨንቕ እዩ" እንልብሉ ሓቢሮም፡ ብዛዕባ ጾታዊ ስምዒት ዝምልከት ዝወሰዶ ተበግሶታት ግን ቅቡልን ዝነኣድን እዩ ከም ዝበሉን ናይቲ ጉባኤ ጳጳሳት ጉዳይ ስደተይናታት ናይ ዝከታተል ሽማግለ ኣቦ መንበር እውን ብወገኖም፥ “ሃገራዊ - ረብሓ ምስ ሞራላዊ ሕጊ ዝጻረር ሳዕቤን ዘለዎ ሕግታት ምኽንያታዊ ክገበሮ ኣይክእል እዩ” ይብሉ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣቦ መንበር ጉባኤ ጳጳሳት ኣሜሪካ ሊቀ ጳጳሳት ቲሞቲ ብሮሊዮ፡ ሓድሽ ርእሰ ብሔር ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ኣብተን ቀዳሞት ሒደት መዓልታት ስልጣኑ፡ ብዛዕባ ዝኸተሞ ፈፍጻሚ ትእዛዛት ኣማእኪሎም መግለጺ ከም ዝሃቡን፡ ነዚ መሰረት ብምግባር ሊቀ ጳጳሳት ብሮሊዮ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ ኣብቲ ፈጻሚ ትእዛዛት ዝርከቡ ገለ ድንጋገታት፥ “ኣዝዮም ዘጨንቑን ኣሉታዊ ሳዕቤን ክህልዎምን ዝኽል እዩ” ቢሎም፥ እቶም ኣሉታዊ ርእይቶ ዝሃብሎም ትእዛዛት፡ “ኣብ ኣተሓሕዛ ስደተይናታትን ዑቕባ ሓተትን ዝምልከት፥ ናይ ወጻኢ ሓገዝን፣ ምስፋሕ ናይ ሞት ፍርድን ከባብን ዘተኮረ” ከም ዝኾነን፡ ብኻልእ ሸነኽ ድማ “ብዛዕባ ነፍሲ ወከፍ ፍጥረት ሰብ ዝምልከት ትራምፕ ዝበሎ፥ ተባዕታይን ተንስታይን ዝብል ኣምር፥ ኣፍልጦ ንህብ” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

'ብዙሕ ህያባት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ’ ምክፋል

ሊቀ ጳጳሳት ብሮሊዮ ወሲኾም፡ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን "ምስ ዝኾነ ፖለቲካዊ ውድብ ኣይትውግንን” ኣይትቐውምን፡ መን ርእሰ ብሔር ይኹን ኣብ ህዝባውን ሓጋጊ ላዕለዋይ ባይቶ እውን፡ መን ዝበዝሐ ድምጺ ይሃልዎ ብዘየገድስ፥ ብናጻ ሓሳባ ትገልጽ፡ ኣብዚ ጉዳይ እዚ ትምህርቲ ቤተክርስትያን ኣይተቐየረን” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ “መሪሕነት ሃገርና ናይ ውሁዳን ሰብኣዊ ክብሪ ጥራይ ዘይኮነ፡ ንናይ ኩሉ ሰብኣዊ ክብርታት ዕሽሽ ዝብሉ ተግባራት ዳግማይ ክሓስበሉ ተስፋና እዩ” እንክብሉ ኣስተብሂሎም፥ “ብብዙሕ ህያባት ዝተባረኸት ሃገርና፡ ነተቶም ኣዚዮም ተቓላዕቲ ዝኾኑ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ድኻታት  ሃገራት፡ ከምኡ እውን ነቶም ገና ዘይተወልዱ ዝተጸንሱን፡ ድኻታትን ኣረጋውያንን ኣረጋውትን ተኣፋፍያንን ተቓላዕትን ኩሎም ሓቀይና ሓልዮት ከተርኢ ንጽሊ፡” እንክብሉ ዝሃብዎ መግለጺ ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኣብ ዝተፈለየ መግለጺ ኣብ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ጉባኤ ጳጳሳት ስደተይናታትን ተመዛበልትን ጉዳይ ናይ ዝከታተል ሽማግለ ኣቦ መንበር ጳጳስ ማርክ ሰይትዝ፡ ነቲ ትራምፕ ዝኸተሞ ፈጻሚ ትእዛዛት ኣማእኪሎም፥ “ሃገራዊ ረብሓ ምስ ስነ ምግባርን ግብረ ገብን ሕጊ ዝጻረር ሳዕቤን ዘለዎም መምርሕታት ምኽንያታዊ ክገብሮም ኣይክልን እዩ. . . ዝኾነ ጉጅለ ዘጸልም ሓፈሻዊ ናይ ጽልእን ኣድልዎን ናይ ጽልእ ዓሌትን ቃላት ምጥቃም ከይህሉን፡ እዚ እውን ንኹሎም ናይ መንበሪ ፍቓድ ዘይብሎም ስደተይናታት ኣብ ትሕቲ ሕጊ ሓለዋ ንምኽላእ ‘ገበነይናታት’ ወይ ‘ወረርቲ’ ኢልካ ምግላጽ፡ ነቲ ንነፍሲ ወከፍና ብኣርኣያኡን ኣምሳሉን ዝፈጠረና ኣምላኽ ምቅዋምን ንስሙ ምርካስን እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ብተወሳኺ እቶም ጳጳስ ሓያሎ ካብቶም ፈጸምቲ ትእዛዛት “ብፍሉይ ኣብ ሕጊ ፌደራል ዝተቐመጡ ሰብኣዊ ሓለዋታት ንምስራዝ ዝዓለሙ” ምዃኖም ኣመልኪቶም፣ ኣብ ሕጊ መሰል ውልደት ዝምልከት ዝቐረበ ለውጢ “ሓደገይና ቅድመ ኩነት ከምዘቐመጠን፣ እዚ ድማ ምስቲ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ዝህቦ ትርጉም ናይ መሰል ውልደት ዝጋጮ” ምዃኑ ኣስሚሮም፣ ትራምፕ ብዛዕባ ሰደተይናታት ዝምልከት ክኽተልዎ ዝኾነ ሕጊ ምስቲ ተቓዋሚ ፖለቲካዊ ውድብ ብግልጺ ክዝትይሉን ናይቲ ዝመርሕን ተቓዋምን ፖለቲካዊ ውድብ ኣመለኻኽታ ዘንጸባርቕ ክኸውንን ሰብኣውነት ማእከል ዝገበረ እውን ክኸውን ተስፋ ንገብር ምስ በሉ፥ “ብመሰረት ወንጌል ንስደተይናታት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ዘሎና ቅርበት ቀጻሊ እዩ” እንክብሉ ዝሃብዎ መግለጺ ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

24 January 2025, 15:55