ድለ

ካርዲናል ሳኮ፦ "ብሓባር ምዕያይ ምልክት እቲ ኣብያተ - ክርስትያን ድሮ ዘለወን ሓድነት እዩ" ካርዲናል ሳኮ፦ "ብሓባር ምዕያይ ምልክት እቲ ኣብያተ - ክርስትያን ድሮ ዘለወን ሓድነት እዩ"  (AFP or licensors)

ካርዲናል ሳኮ፦ "ብሓባር ምዕያይ ምልክት እቲ ኣብያተ - ክርስትያን ድሮ ዘለወን ሓድነት እዩ"

ኣብ ዒራቕ ናይ ከለዳዊ ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ካርዲናል ሳኮ፥ ንካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዒራቕ ብምኽንያት ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ካብ ዕለት 18 – 25 ጥሪ ዝካየድ ቅነ ጸሎት ምንእቲ ሓድነት ክርስቲያን ኣብ ዘመሓላለፍዎ ሓዋርያዊ መልእኽቲ፥ ነቲ ድሮ ኣብ መንጎ ክርስትያን ዘሎ ሓድነት ብምጉላሕ፡ ኣብ ጉዳይ ሰላም፡ ፍትሕን ሰብኣዊ መሰላትን ሓዊሱ ዝያዳ ምትሕብባር ክግበር ጻውዒት የቕርቡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ መላእ ዓለም ዝርከባ ዝተፈላለያ ኣብያተ ክርስቲያን ተኣኪበን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ካብ ዕለት 18 - 25 ጥሪ ዘካይድኦ፡  ቅነ ጸሎት ንሓድነት ክርስቲያን ኣብ ዘብዕላሉ ዘለዋ እዋን፡ ኣብ ዒራቕ ናይ ከለዳዊ ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ካርዲናል ሉዊስ ራፋኤል ሳኮ፡ ንምእመናን ዒራቕ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ሓድነት ኣብያተ ክርስቲያን ናብ ሓደ ኣካል ምውህሃድ ዘይኮነስ ዋላ እኳ ፍልልያት እንተሃለወ፡ ብዙሕነት ሓቚፍካ ብሓባር ምስራሕ ማለት ምዃኑ ኣዘኻኺሮም፡ ሓድነት ኣብ ሓባራዊ እምነትን ሓድሕዳዊ ምክብባርን ዝተሰረተ መንፈሳውን ተግባራውን ጻዕሪ ምዃኑ ከም ዘብርሁ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ሃብቲ ብዙሕነት

ካርዲናል ሳኮ ኣብ መልእኽቶም፥ ሓድነት ከም ምምሕዳራዊ ወይ መዋቕራዊ ምትሕንፋጽ ኣብያተ-ክርስትያን ጌርካ ናይ ምርኣይ ሓሳብ ነጺጎም፥ ነፍሲ ወከፍ ቤተ - ክርስትያን ክዕቀቦ ዘለዎ ፍሉይ ታሪኽን ልምድታትን ትውፊታት ምምሕዳራዊ ኣገባባትን ኣለዋ። በዚ መሰረት ምመናን ነቲ በበይኑ ዝዓይነቱ ፍልልይ ከም ምንጪ ምግምማዕ ዘይኰነስ፡ ከም ሓደ ዓቢይ ሃብቲ ገይሮም ክርእይዎ ኣለዎም፡ ምይይጥን ሓባራዊ ኣረኣእያን ኣብ መንጎ ክርስትያናዊ ልምድታት ጥብቂ ርክብ ንምምስራት መገዲ እውን ምዃኑ ብኣጽንዖት ከም ዘዘኻኸሩ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ናይ ሓባር እምነት ምክፋል

ፓትርያርክ ሳኮ፥ ድሮ ኣብ መንጎ ኣብያተ ክርስቲያናት ብፍላይ ድማ ኣብ መንጎ ካቶሊካውን ኦርቶዶክሳውን ትውፊታት፥ ከምቲ ር.ሊ.ጳ. ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዝገለጽዎ፡ “ክልተ ሳንቡእ” ክርስትና እዩ፡ እዚ ድማ መሰረታዊ መዳያይ ሓድነት ኣቢያተ ክርስቲያን ዘጉልሕ ምዃኑ ኣብሪሆም፡ ክልቲአን ኣብያተ ክርስቲያን ብጉባኤታት ኒቅያን (325) ቁስጥንጥንያን (381) ዝተደንገገ ዓንቀጸ እምነት ይካፈላን ሸውዓተ ቅዱሳት ሚስጢራት ድማ ከም ዘብዕላ ኣዘኻኺሮም፣ ኣብ ባቕዳድ እውን ኣብ ውሽጢ እዚ ትውፊታት እዚ ምብትታን እኳ እንተነበረ፡ ኣብ መጀመርታ መበል 20 ክፍለ ዘመን ንሓድነት ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ዓሚቱ ኣብ ነፍሲ ወክፍ ዓመት ዝካየድ መደብ ጸሎት ፕሮተስታንት ኣቢያተ ክርስቲያን እውን ኣፍልጦ ከም ዝሃባሉ ብምዝኽካር፥ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዓውደ ኣዋርሕ ስርዓተ ኣምልኾ እቶም ኣብ 2015 ዓ.ም. ብዳዕሽ ዝተቐትሉ ቆብጣውያን ሰማእታት ዝዝከሩሉ ዕለትን ከምኡ እውን ካብ ምብራቓዊት ቤተ ክርስቲያን ዝኾነ ቅዱስ ይስሃቅ ብዓል ነነዌ ዝበዓለሉ ዕለት ወሲኖምን ኣስማቶም ድማ ኣብ  መዝገብ ገድለ ሰማእታት ሮማዊት ቤተ ክርስቲያን ክጸሓፍ ከም ዝገበሩ ኣመልኪቶም፡ እዚ ተግባር እዚ ሓባራዊ ቕድስናን መንፈሳዊ ውርሻን እናዓበየ ይኸይድ ምህላዉ ዘርእይ ምልክት እዩ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ግብራዊ ምትሕብባር

ቀጺሎም ኣብ ግብራዊ ምትሕብባር ኣብ ዝብል ምልክት ሓድነት ኣተኲይሮም፡ እተፈላለየ ዓይነት ምትሕብባር ከም ዘሎን፣ ገለ ኻብዚ ኸኣ ብዛዕባ ቅዱስ መጽሓፍን ቲዮሎጊያን ሊጡርጊያን ትምህርተ ክርስቶስን ኣብ ዝምልከቱ ኣርእስታት ናይ ሓባር ዓውደ መጽናዕቲ ብምውዳብን ከምኡ እውን ነዚ መዳይ እዚ ዘጽንዕ ናይ ሓባር ሽማግለ ብምቛም፣ መንፈሳዊ ተመክሮታት ምልውዋጥ፣ ብዛዕባ ስነ - ምግባራዊ ጕዳያት ብሓባር ኣብ ምዕያይን ሓደ ድምጺ ኣብ ምዃን ዚኣምን ሓድሽ ውሉደ ክህነት ምድላው እንክብሉ ጠቒሶም። ብተወሳኺ እውን ኣብያተ - ክርስትያን ምስ ከም ድኽነት፡ ምጕዳል ፍትሒ፡ ብልሽውና ምዕናው ኣከባቢ ከምኡውን ኣንጻር ውግእን ዳግም ምዕጣቕን ጽንፈይናነትን ዝኣመሰለ ጸገማት ማሕበረሰብ ብንጥፈት ክቃለሶ ተማሕጺኖም፡ እዚ ምትሕብባር እዚ ምስቲ "ቤተ - ክርስትያንን ማሕበረሰብ ክርስቲያንን ኣብ ከባቢኦም ክፍጽምዎ ዘለዎም" ክርስቶሳዊ ተልእኾ ብምስምማዕ "ማሕበራዊ ሓድነትን ሰላምን የደልድል" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ኣብነት ኣብያተ ክርስቲያናት ኣብ ሶርያ

ከም ኣብነት ኣብ ሶሪያ ዘሎ ኤቁመናዊ ምትሕግጋዝ ጠቒሶም፥ ድሕሪ ውድቀት ባሻር ኣል ኣሳድ ኣብያተ - ክርስትያን ንመሰላትን ክብርን ሃይማኖታዊ ናጽነትን ኵሎም ዜጋታት ዜኽብር ኣብ ዜግነት እተመስረተ ሓድሽ በርገሳዊ ስርዓት ክሃንጽ ዝጽውዕ ሓደ ድምጺ ኣብ ምዃን ዘርእየኦ ዘለዋ ሓባራዊ ምንቅስቓስ ጠቒሶም፡ እዚ ድማ ኣብያተ-ክርስትያን ብዛዕባ ሓድነትን ተስፋን ዚምስክራሉ መገዲ እዩ" ቢሎም ካርዲናል ሳኮ ዘመሓላለፍዎ ሓዋርያዊ መልእኽቲ ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

22 January 2025, 15:34