ጳጳሳት ቅድስቲ መሬት ነቲ ኣብ ቃዛ እተገብረ ተቑሲ ናይ ምቍራጽ ውዕል ሓንጐፋይ ኢሎም ይቕበልዎ
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ጉባኤ ካቶሊካውያን ኣህሉቅ ቤተክርስቲያን ኣብ ቅድስቲ ሃገር ነቲ ኣብ ቃዛ እተፈጸመ ተኩሲ ናይ ምቍራስ ውግእ ምልክታታት ብሓጐስ ክቕበልዎ ይርከቡ ኣለዉ፣ እዚ ድማ ነቲ ብሰንኪ 15 ወርሒ ዝወሰደ ውግእ ዝሰዓበ "ዘይስገር ስቓይ" ንሓዋሩ መወዳእታ ኽገብረሉ ዘለዎም ተስፋ ይገልጹ።
ይኹን እምበር እቶም ኣብ የሩሳሌም ፍልስጥኤም እስራኤል ዮርዳኖስ ቆጵሮስ ብዝነበሩ ዅሎም ጳጳሳት ካቶሊካዊት ቤተኽርስቲያን ዘቝምዎ ጉባኤ "ተቝሲ ምቑራጽ ማለት መወዳእታ ናይቲ ዝነበረ ግጭታት ማለት ኣይኰነን " ብምባል ውን ኣመልከቱ ።
እዞም ካቶሊካውያን ጳጳሳት ከም ዝገለጽዎ እቲ ዘድሊ ነቲ ሕመረት ናይቲ ግጭት ዝዀነ "ዓሚቝ ሱር ዝሰደደ ጕዳያት" ንምፍታሕ "ነዊሕ መስርሕ" ከም ዘድሊ ኢዩ።
ነዚ ጉዳይ እዚ ኣመልኪቶም ኣብ ዘውጽእዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ "ነቲ ድሕሪ ውግእ ዘሎ እዋን ንጹርን ፍትሓዊ ዝዀነ ፖለቲካዊ ኣረኣእያን ኸማዕብሉ" ጻውዒት ኣቕረቡ።
ንግደትን ቅዱስ ዓመተ ኢዮቤል ተስፋን
ብተወሳኺውን እዞም ጳጳሳት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን "ናብ ቅዱስ ቦታታት ምብጻሕ ንዘካየዱ ነጋድያን ብሃንቀውታ ይጽበዩ ኣለዉ" ክብሉ ውን የመልክቱ።
ክርስትያን ነጋድያን መብዛሕትኡ ግዜ ምሉእ ዓመት ናብቲ ኣብ ፍልስጥኤምን እስራኤልን ዚርከብ ቅዱሳት ቦታታት ይውሕዙ እዮም ፣ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2023 ውግእ ካብ ዚለዓል ኣትሒዞም ግና ዳርጋ ምሉእ ብምሉእ ጠፊኦም እዮም ፣ እዚ ኸኣ ንቝጠባ እታ ሃገር ኣብ ቱሪዝም እተመርኰሰ ክንዲ ዝኾነ ዓቢይ ሃስያ ኣውሪዱሉ እዩ ።
ኣብ መወዳእታ እዞም ካቶሊካውያን ጳጳሳት ነታ 'ነጋድያን ተስፋ' እትብል ጭርሖ ናይዛ ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ 2025 ውን ጠቒሶም ይርከቡ።
ኣብ መጀመርታ ዓመተ ኢዮቤል "እታ ተስፋ ኣይተሕፍር ኢያ!” ንዝብል እተወፈየት ክንዲ ዝኾነት ምእመናን ነቲ ውግእ ደው ንምባል ኣብ እተገብረ ጻዕሪ "ብዛዕባ እሙን ተስፋ ኣምላኽ ዜዘኻኽረና ምልክት" ክብሉ ውን መግለጺኦም ዛዘሙ።