ኣብያተ ክርስቲያን ደ. ረ. ኮንጎ ኣብ ዞባ ዓበይቲ ቀላያት ንሰላም ዝኸውን ሓባሪ መገዲ የቕርባ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ኣብ ምብራቓዊ ዞባ ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ (DRC)፡ ከምኡ’ውን ኣብ ሰፊሕ ዞባ ዓበይቲ ቀላያት ዝቕጽል ዘሎ ዘይውሕስነት፡ ካቶሊካውያንን ፕሮተስታንት ኣብያተ ክርስቲያናት ኮንጎ - ብናይ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎ ጉባኤ ካቶሊካውያን ጳጳሳትን ናይታ ሃገር ጉባኤ ቤተ ክርስቲያን ክርስቶስን ዝውከላ ፕሮተስታንት ኣቢያተ ክርስቲያን ኮንጎ ሓይሎም ብምውህሃድ፡ ነቲ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናገደደ ዝኸይድ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው. . . ንልዕሊ ሰለስተ ዓሰርተታት ዓመታት ነቲ ዞባ ዘሳቕይ ዘሎ ግጭታት ንምፍታሕ ዝዓለመ ሓድሽ ዓቢ ተበግሶ ሰላም ከም ዝጀመራ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
"ማሕበራዊ ውዕል ሰላምን ሓባራዊ ናብራን ኣብ ዲ.ሪ.ኮንጎን ዞባ ዓበይቲ ቀላያትን"
"ማሕበራዊ ውዕል ንሰላምን ሓባራዊ ናብራን ኣብ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎን ዞባ ዓበይቲ ቀላያትን" ዘርእስቱ ሓባሪ መገዲ ሰላም፡ ንዜጋታት፡ ሃይማኖታዊ ማሕበረሰባትን ፖለቲካዊ መራሕትን ኣብ ዙርያ ሓደ ናይ ሓባር ዕላማ ንምእካብ ዝዓለመ'ዩ፡ እዚ ድማ ዓመጽ ከብቅዕን ሰላማዊ ሓባራዊ ህይወትን ማሕበራዊ ምትእስሳርን ንምዕባይ ዝኣመተ እዩ።
እቲ ሓባሪ መገዲ ኣብ መጀመርታ ናይዚ ሰሙን እዚ ኣብ ኪንሻሳ ብኸተምቱ ናይ ጎንጎ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ጉባኤ ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ጳጳስ ዶናቲየን ንሾለን ናይቲ ኣብታ ሃገር ናይ ዝርከባ ፕሮተስታንት ኣቢያተ ክርስትያን ዝሓቁፍ ናይ ክርስቶስ ኣቢያተ ክርስቲያን ጉባኤ ዋና ጸሓፊ መጋቤ ኤሪክ ንሰንጋን ብሓባር ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ወግዓዊ ከም ዝገበርዎ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥
እዚ ስምምዕ እዚ ውጽኢት ናይቲ ብኣቢያተ ክርስቲያን ዝተበገሰ ነዊሕ መስርሕ ምዃኑ ብምግላጽ፡ ካብ ዝተፈላለዩ መዳርግቲ ኣካላት ንዝቐረበሎም ብዙሕ ጻውዒት ምላሽ ብምሃብ፡ ኩሎም ወገናት ናብ ነባሪ ዞባዊ ምርግጋእ ንምዕዋት ንምንቕቓሕን ንምትብባዕ ዝኣመተ ምዃኑ ከም ዘብርሁ ኣፍሊጡ።
ነቲ ሕሱም ዑደት ስቓይን ሞትን ምዝንባልን ምዕጋት
ኣብተን ካብ ዝሓለፈ ዓሰርተታት ዓመታት ዝተበገሰ ብዝተፈላለዩ ዕጡቓት ሓልታት ዝፍጸም ዓመጽ ዝህሰይ ዘሎ ምብራቓዊ ዞባ ኮንጎ፡ እቲ ብሩዋንዳ ዝድገፍ ዝበሃል ምንቅስቓስ መጋቢት 23 ብዝብል መጸውዕ ዝፍለጥ ጉጅለ ዕጡቓት ኣብ 2022 ዓ.ም. ብዝፈነዎ መጥቓዕቲ ኣሃዱ ዝበለ ምዃኑ ክንገር እንከሎ፡
ኣብዚ ሕጂ እዋን እስላማውያን ጉጅለታት ሓዊሱ ኣብ መንጎ ሓይልታት መንግስትን ዕጡቓት ሓይልታትን ዝካየድ ግጭት፡ ሰፊሕ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት፡ ከምኡ’ውን ኣዕናዊ ፍጻመታትን ጾታ መሰረት ዝገበረ ዓመጽን፡ ኣብ ውሽጢ እታ ሃገር ልዕሊ 6 ሚልዮን ሰባት ካብ መረበቶም ክመዛበሉን ልዕሊ 1 ሚልዮን ድማ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪቃ ዑቕባ ክሓትቱ ዘገደደ ከም ዝኾነን ነቲ ኩነታት ንምፍታሕ ዝግበር ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ጻዕርታት ዘተን ስምምዓት ምቁራጽ ተኹስን፡ በቲ ዝተሓላለኸ መርበብ ከባብያውን ዞባውን ረብሓታት ተዳኺሙ ከም ዘሎ ይሕበር።
ነቲ ሕሱም ዑደት ስቓይ፡ ሞት፡ ዓመጽ፡ ግዱድ ምምዝባልን ዕንወትን ንምዕጋት፡ ኣብያተ ክርስቲያናት ኮንጎ ነቲ ኣብ ትሕቲ "ገረብ” ጸገማት ብጥበብ ንምፍታሕ ኣቦታት ኣፍሪቃ ዝገብርዎ ዝነበረ ሰናይ ናይ ዘተ ባህሊ ናብ ንቡር ክምለስ ዝጽውዕ ሓባሪ መገዲ፥ ንዓመተ ኢዮቤል ተስፋ 2025 ዓ.ም. "ዓመተ ሰላምን ሓባራዊ ናብራን" ብዝብል መጸውዕ ኣብቲ ንኡስ ዞባታት ዝርከቡ ማሕበረሰባትን ሃገራትን ብፍላይ ድማ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎ ጽቡቕ ስግረ - ዶባዊ ጉርብትና" ዜጋታቶምን ርእሰ ውሳነን ምእንቲ ኪረጋገጽ ብምቕራብ ኣብታ ሃገርን ዞባ ዓበይቲ ቀላያትን ነባሪ ሰላም ክረጋገጽ ዝጽውዕ ምዃኑ ዜና ቫቲካን የመልኽት።
ሓሙሽተ ቀንዲ መትከላት ነባሪ ሰላም
እቲ ሓባሪ መገዲ፡ ኣብቲ ዞባ ነባሪ ሰላምን ማሕበረ - ፖለቲካዊ ምርግጋእን ንምህናጽ መሰረት ዝኾኑ ሓሙሽተ ቀንዲ መትከላት፡ ማሕበረ - ስነ-ፍልጠታውን መንፈሳውን ክብርታት ብምስዓብ “ያታዊ መሰረት ኣፍሪቃዊ መንነት” ምምላስ፤ ግርጭታት ብዘተን ምርድዳእን ምፍታሕ፣ ዓመጽ ከይተጠቐምካ ሱር ጠንቂ ጸገማት ምፍታሕ፤ ሓድነትን ተጻዋርነትን ዘለዋ ኣፍሪቃ ንምዕባይ ብዙሕነት ምሕቋፍ፤ ንፖለቲካዊ መራሕቲ ኣፍሪቃ ዕጥቃዊ ግጭታት ደው ንምባል፣ ዘላቒ ልምዓት ንምድንፋዕ፣ ምዝመዛ ሃብቲ ተፈጥሮ ንምግታእ ጽልዋ ምግባር፤ ማሕበረሰብ ዓለም ነዚ ጻዕርታት ብቕንዕና ክድግፎ ምትብባዕ፣ ፍትሒ፣ ሰላምን ከባብያዊ ዘላቕነትን ምዕባይ እንክብል የቕርብ።
ንሰላምን ስኒትን ዝኸውን ሰነድ ምቕራብ
ኣብያተ ክርስቲያናት ኮንጎ እቲ ዕማም ዝተሓላለኸ ምዃኑ ብምግንዛብ፡ ብዛዕባ ሰላምን ማሕበራዊ ምትእስሳርን ዝምልከት ፍሉይ ሽማግለ ንምቛም መደብ ኣለወን። እቲ ሽማግለ ዝድህስሶ ኣርእስታት ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውደ - መጽናዕትታት ክዝተየሎምን ኣብ ዝቕጽሉ ኣዋርሕ ኣብ ዝካየድ ሃገራዊ መድረኽ ኣብ ዝጸድቕ ሃገራዊ ሰነድ ሰላምን ስኒትን ክካተቱ ዝግበኦም ለበዋታትን ውሳኔታትን ከቕርብ እዩ።
ክልቲአን ኣብያተ ክርስቲያን ንጻውዒተን “ትንቢታውን ጓሳውን” እንክብላ ብምግላጽ፡ ዕዉት ማሕበራዊ ውዕል ብዓቢኡ ኣብ ደገፍ ህዝቢ ኮንጎ ምዃኑ የስምራ። ብወገኖም ምስ ወሰንቲ ማሕበረ - ፖለቲካዊ ተዋሳእቲ ብሃገራውን ኣህጉራውን ደረጃታት ብምትሕብባር ነዚ ዕላማ እዚ ጠበቓ ክኾኑን ተበግሶኦም ንምዕባይ ማሕበረ - ባህላዊ ንጥፈታት ከካይዱን ቃል ከም ዝኣተዉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።