ደቡብ ሱዳን ድሕሪቲ ጭካነ ዝመልኦ ቕትለት ሕነ ኸይፈድዩ ካርዲናል ሙላ ተማሕጺኖም
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ደድሕሪ እቲ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ሱዳን ዝርከቡ ደቡብ ሱዳናውያን ስደተኛታት ዝወረደ ጭካን መጥቃዕቲ ኣቦ መንበር ቤትምኽሪ ብፁዓን ጳጳሳት ሱዳንን ደቡብ ሱዳንን ብፁዕ ካርዲናል ሙላ ነቶም ዜጋታት ከቢድ ሓዘን እኳ እንተ ኣጋጠሞም ሕነ ኽፈድዩ ከም ዘይብሎም ተማሕጸንዎም።
ካርዲናል ሙላ ኣብቲ ዘመሓላለፍዎ ቃል ምሕጽንታ ነቲ ዓመጽ ዝመልኦ ቅትለት ኰነንዎ፣ ኣስዒቦም ድማ ደም ንንጹሃት ዜጋታት ደቡብ ሱዳን ምፍሳ "ኣብ ጽልእን ጭቈናን እተመስረተ ናይ ጨካን ተግባር" ምዃኑ ውን ገለጹ።
ፍቕርን ይቕረታን ምርዳእን ኣዘውትሩ
ሊቀ-ጳጳሳት ጁባ ብፁዕ ካርዲናል ሙላ ኣብ ልዕሊ ደቡብ ሱዳናውያን ዓመጽ ከም ዝፍጸም ዝገብር ሓይሊ፣ ንውልቀ-ሰባት ብሰንኪ ዓሌቶም እምነቶም ወይ ፖለቲካዊ ኣቕዋሞም ብምዃኖም ከአ ሰብኣውነት ዘይብሎም ጨቋኒ ስርዓትን ከም ምዃኖም ውን ገለጹ።
"ጽውዓና ኣብቲ ክርስቶስ ዝመሃረና ናይ ፍቕርን ይቕረታን ምርዳእን መሰረታዊ ሥርዓታት እተመርኮሰ ኢዩ" ውን በለ።
"ነዚ ግፍዒ እዚ ኣብ ግምት ብምእታው ነቶም ፍቑራት ደቡብ ሱዳናውያን ዝዀኑ ህዝብና ርእሶም ክገትኡን ክድንግጹን ንምሕጸኖም ኣሎና። እቲ ኻብዚ ፍጻመታት እዚ ዚመንጨወ ስቓይን ቍጥዓን ርዱእ እኳ እንተ ዀነ፣ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ሃገርና ዘለዉ ሱዳናውያን ስደተኛታት ሕነ ኻብ ምፍዳይ ክትቍጠቡ ንልምነኩም ኣለና" ክብሉ ውን ተማሕጸንዎም።
ወሲኾም ድማ "መብዛሕትኦም እዞም ውልቀ - ሰባት እዚኣቶም ካብቲ ኣብ ልዕለና ዓመጽ ዝፍጸመ ጨቋኒት ስርዓት ይሃድሙ ኣለዉ ። ንሳቶም እውን ግዳያት እቲ ምሕረት ዘይብሉ ጭካነ ዝመልኦ ስርዓት ምዃኖም ውን ኣይንዘንግዕ" ክብሉ ውን ኣዘኻኸሩ።
ምፍዳይ ሕነ ጐዳኢ እዩ
ካርዲናል ሙላ ብተወሳኺ ሕነ ምፍዳይ ግጭትን ጽልእን ከም ዘጋድድ ብምግላጽ ዘለዎም ሻቕሎት ገለጹ።
"ሕነ ምፍዳይ ዝያዳ ዓመጽን መከራን ጥራይ ኢዩ ዘፍሪ፣ እዚ ድማ ነቲ ዘቀሓሕረና ናይ ጽልኢ ዑደታት ዘዕሙቖ ክንዲ ዝኾነ ኢዩ" ቢሎም ውን፣ ኣብ ክንዳኡስ ነቶም ኣብ መንጎና መዕቈቢ ዚደልዩ ሰባት ብሓድነት ኢድና ንዘርግሓሎም፣ ንዅነታቶም ከኣ ከም ክፍሊ እቲ ብሓባር እነሕልፎ ዘሎና ተመክሮ ኣፍልጦ ንሃበሉ።"
ኣብ ጽንኩር እዋን ሓድነትን ምትሕብባርን
ብፁዕ ካርዲናል ሙላ ነቲ ኣብ መንጎ ማሕበረሰብ ደቡብ ሱዳን ዘሎ ሓድነት ዘለዎም ምስጋና ውን ገለጹ፣ኣስዒቦም ድማ ነቶም እተጐድኡ ስድራቤታትን ፈተውቶምን ኣብዚ እዋን ሓዘኖም ኣብ ጸሎቶም ከም ዝዝክርዎም ኣረጋገጸሎም ።
ብተወሳኺውን ናብ ዘተ ክበጽሑን ድንጋጸ ርሕራሐን ከደንፍዑ ከምኡውን ናይ ምርዳእ ድልድል ክሃንጹ ጻውዒት ኣቕረበሎም ።
ብፁዕነቶም ኣብ መልእኽቶም በዚ ተግባራት እዚ ኣቢሎም "ንተዘክሮታት እቶም ዝሰኣንናዮም ነኽብሮ ኢና፣ ሰላምን ፍትሕን ዕርቅን ኣብ ዝሰፍነሉ መጻኢ ድማ ኣበርክቶ ክንገብር ንኽእል ኢና" ውን በሉ።
"ሓሳባትናን ጸሎትናን ምስ ስድራቤት እቶም ግዳያት ኢዩ ዘሎ፣ ምስቶም በዚ ዘይጻወር ዘሕዝን ፍጻመ እዚ ዝተጐድኡ ኸኣ ደው ንብል ኣሎና" በሉ። ወሲኾም ድማ - "በቲ መለለዪ ማሕበረሰብ ደቡብ ሱዳን ዝዀነ፣ መንፈስ ሓድነትን ተጻዋርነትን ንሕበን ኢና። መበቈሉ ብዘየገድስ ነፍሲ ወከፍ ውልቀ-ሰብ ድሕንነትን ክብርን ዘለዎ ዀይኑ ኸም ዝስምዖ ብምግባር፣ ብሓድነት ንሕውየትን ዳግመ ህንጸትን ክንሰርሕ ኣሎና" እንክብሉ ምሕጽንታኦም ዛዘሙ።