ሊቀ-ጳጳሳት ካቫሊ ፦ “ሜጁጎርየ ናይ ጸጋቦታ ኢዩ!”
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
እዞም ምኩር ዲፕሎማሱያዊ ቅድስቲ መንበር ብፁዕ ሊቀ-ጳጳሳት ካቫሊ፣ ኣብ ሜጁጎርየ ዝነብሩን፣ ነቲ ነጋድያን ዝሙከርዎ መንፈሳዊ ተሓድሶ ብዓይኖም ርእዮም ዝምስክሩን ኢዮም። ብፁዕነቶም ኣብቲ ምስ ዜና ቫቲካን ዘካየድዎ ቃለ-መሕትት እታ ኸተማ ሓንቲ ተራን ናይ ጸጋን ቦታ ምዃና ኣጕልሑ። "ሜጁጎርየ ሓደ ተራ ቦታ ኢዩ፣ ፍሉይ ነገር የብሉን። ብጸጋ ግን ሰባት ካብ መላእ ዓለም ዝመጹሉ መንፈሳዊ ቦታ ዀይኑ ኣሎ ። ኣባኡ መጺኦም ይጽልዩ ኣላዉ" በሉ።
ቀንዲ መልእኽትን መንፈሳዊ ፍረታትን
ብፁዕ ሊቀ-ጳጳሳት ካቫሊ ኣስዒቦም ነቲ ናይ ቅድስቲ መንበር ብዛዕባ ጉዳያት ዓንቀጽ እምነት ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈትንሜጁጎርየ ንምርማር እተጠቕመሉ ኽልተ ቐንዲ መለክዒታት ውን ኣጕልሑ። እዚ ኸኣ ኣወንታዊ መንፈሳዊ ፍረታትን ከም ዘልዎን፣ እቲ መልእኽትታት እኖና ድንግል ማርያም ምስ እምነት ዝሰማማዕ ምዃኑን ኢዩ። "ብኣማኢት ኣሽሓትን ዝቝጸር ምእመናን ካብ መላእ ዓለም ናብ ሜጁጎርየ ንግደት ይገሩ እዮም ። ኣብዛ ዓመት እዚኣ ጥራይ ኽልተ ሚልዮን ነጋድያንን መንእሰያትን በጺሖምና። ዳርጋ 50,000 ዝዀኑ ካህናት ንንስሓን ጸሎትን ንግደት ኣካይዶም ኣለዉ።" ብዘይካዚ ብፁዕ ኣቡነ ካቫሊ ንብዙሕ ፍረታት ጸዋዕታን ዓሚቝ እምነትን እቶም ነግስድያን ከም ዝፈረየ ውን ኣስመሩሉ ።
ሕትመት መልእኽትታት ሜጅጐርየ
ብፁዕ ሊቀ-ጳጳሳት ካቫሊ ኣስዒቦም ኣብቲ መልእኽትታት 'ንግስተ ሰላም' ዝስመ ሕትመት መልእኽትታት ሜጅጎርየ ብቐጥታ ከም ዝሳተፉ ውን ኣመልከቱ። ከምዚ ብምባል ድማ ይገልጹ - "መልእኽቲ ኽህሉ ኸሎ እቲ እተቐበሎ ሰብ ይጽሕፎ እሞ በቲ ዝጽሕፍዎ ቛንቋ ማለት ክሮኤሽያ ይሰደለይ። ብኡንብኡ ንብኡ ውን ናብ ቋንቋ ጣልያን ይትርጐመለይ ኣሎ።" እዚ መልእኽትታት እዚ ብምኽንያት እቲ ናይ ሰባት ምቅብባልን ምትርጓምን ከም ሰብት ተሳትፎ ስለዝኣትዎ 'ዘይተረጋገጸ' ተባሂሉ ኸም ዚጽዋዕ ውን ኣጕልሑ። ይኹን እምበር "ብስምረት ቤተ-ክርስትያን" ኢዩ ዝሕተም፣ ምኽንያቱ ድማ ንእምነት ዘዕቢ ክንዲ ዝኾነ ኢዩ።
ምስዚ ሕጂ ዘሎ ኩነታት ዘለዎ ኣገዳስነት
ብፁዕ ሊቀ-ጳጳሳት ካቫሊ ነቲ መልእኽቲ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኣብዛ ሎሚ ዘላ ዓለም ብፍላይ ከኣ ሰላም ኣብ ምድንፋዕ ዘለዎ ኣገዳስነት ውን ወሲኾም ገለጹ ። ነቲ ኻብ 1981 ኣትሒዙ እተላእከ "ሰላም፣ ሰላም ምእንቲ ክሰፍን እዩ። ግናኸ ቅድም ቀዳድም ኣብ መንጎ ኣምላኽን ኣብ መንጎናን ደሓር ከኣ ኣብ መንጎ ሰባት ሰላም እምበር፣ ሰላም ኣብ መንጐኹም ጥራይ ከም ዘይኰነ ተጠንቀቑ" ዝብል ኢዩ። ብፍላይ ኣብ ቦዝንያን ሄርዘጎቪናን ዚርከባ እተፈላለያ ሃይማኖታት ብሓባር ስለ ዝነበራ ከምኡውን ኣብዚ ቐረባ እዋን ኣብቲ ኸባቢ ዘጋጠመ ግጭት ኣብ ግምት ብምእታው እዚ መልእኽቲ እዚ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ።
ኣብ መጻኢ ዘለዎ ጽልዋኡ
ብፁዕ ሊቀ-ጳጳሳት ካቫሊ ብዛዕባ ሜድጁጎርየ ኣብ ዝገበርዎ ቃለ መሕትት ንመጻኢ መንፈሳውነት ናብ ቅድስቲ ድንግል ማርያምን ብሕታዊ ግልጸታትን ኣብ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ዓብዪ ጽልዋ ከም ዝህልዎ ዝገብር ኢዩ። በቲ ብዛዕባ ጉዳያት ዓንቀስ እመንት ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ዝወጸ ሓድሽ መዐቀኒታት ስለ ዝመሓላለፍን ዝሕተምን ነዚ ራእያት እዚ ንኽንርድኦን ንኽንግምግሞምን ንጹር መሰረት ኣሎና ። ብፁዕነቶም ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ኣስዒቦም ኣብዛ ብዝሓውነት ዘለዋ ዓለም ምዝርራብን መንነትካ ኣብ ምዕቃብን ዘተኰረ ብምዃኑ ዝሰፍሐ ዘተታት እምነትን ምውህሃድ ባህልታትን ከም ዝህሉ ገይሩ ኢዩ ይብሉ።
ኣብ መደምደምታ ብፁዕ ሊቀ-ጳጳሳት ካቫሊ ዝለገስዎ መግለጺ ሜድጁጎርየ ኣብ መንፈሳዊ ተሓድሶን ንስሓን ዘለዎ ኣገዳስነትን ዘጕልሕ ኢዩ። ኣብ ሰላምን ዝርርብን ዘተኰረ ብምዃኑ ነታ ምክፍፋልን ግጭትን ዘለዋ ዓለም ተስፋ ዝህብ ኢዩ ። እቲ ናብ ሜድጁጎርየ ዚግበር ንግደትን መንፈሳዊ ዕቤትን ነቶም ካብ መላእ ዓለም ንዝመጹ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት ምጽንናዕን ትብዓትን ዚህብ ኣገዳሲ ማእከል መንፈሳውን ሃይማኖታውን ህይወት ኰይኑ ኸም ዚቕጽል ዚሕብር እዩ ።
ሜድጁጎርየ ነቶም መንፈሳዊ ዝደልዩ ነጋድያን ብቐጻሊ ዕድመ ዘቕርበሎም ቦታ ጸጋ ኢዩ፣ ናይ እምነትን ተስፋን መብራህቲ ኰይኑ ንኪቕጽል ድማ፣ መርሕነት ብፁዕ ሊቀ-ጳጳሳት ካቫሊን መምርሒታት ቅድስቲ መንበርን ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ።