ሰንበት ዘልደት 30 ታሕሣሥ 2015 ዓ.ም. (1/08/ 2023) ቅድስት ስድራ
ንባባት፡ሮሜ 15፡4-14፥ 1ዮሓ. 3፡1-2, 21-24፥ ግ.ሓ. 23፡32-ፍ፥ ሉቃስ 2፡41-52። ስብከት፡. ወአነሂ በኲርየ እረስዮ። ወልዑል ውእቱ እም ነገስተ ምድር፥ ውለዓለም አዓቅብ ሣህልየ። አነ እውን በዅረይ ክገብሮ እየ፥ ንሱ ኻብ ነገሥታት ልዕል ዝበለ ኺኸውን እዩ፥ነቲ ዘተስፈኽዎ ምሕረት ንዘለዓለም ክሕልወሉ እየ፥ ኪዳነይ ከጽንዓሉ እየ መዝ. 89፡27-28።
፫ይ ክፍሊ ዓመት ኢና ሒዝና ዘሎና ካብ 26 ታሕሣሥ - 25 መጋቢት ሓጋይ። አብ ዘመነ ሓጋይ አዋርኅ ነቕጽን ደርቅን እዩ አብኡ ዘመነ አስተርእዮን ዘመን ጾምን ይርከብ።
ድሕሪ ብዓለ ልደት ዝመጽእ ሰንበት ዘልደት ይብሃል፥ ንባባቱን ትሕዝቶ ጸሎቱን ልክዕ ከም ናይ ልደት እዩ። አብ ናይ ዕለቱ ሰንበት መዝሙር ተመስሪትና ክንርእዮ ከሎና እቲ ካብ ያዕቆብ ዝውለድ ባህርና ሥጋና ለቢሱ ንኹሉ ከም ዝቐየሮ ይነግረና። ናይ ኢየሱስ ልደት ንፍጥረት ተሓድሶ እዩ አምጺእሉ። ምስቲ ምንጪ ዝኾነ አምላኽ ዕርቂ ስለ ዝፈጠረሉ ተፈጥሮ ፍጡር ተሓዲሱ እዩ እሞ ንተሓጎስ ንዘምር ይብል።
አብ ንባባት መሰረት ገርና ብዛዕባ ቅድስት ስድራ ክነስተንትን። አብ እምነትና ቅድስቲ ስድራ ብኹሉ ዝለዓለ ቦታ ሒዛ ትርከብ፥ ካብአ ኵሉ ምስ አምላኽ ክንገብሮ ዝግብአና ርክባትን ክንሕዞ ዘሎና ሕይወትን ስለ እንምሃር ብዛዕብአ ክነስተንትን ጥቕሚ አልኦ። ቅድስት ስድራ አብነት ናይ ኵሉ ክርስትያናዊ ስድራ እያ ከምኡ ንሕይወት ቅድስት ስድራ እንተ ስዒብና ምስ አምላኽ አሎና ስድራና ፍሉይ ጸጋን በረኸትን ይወርዳ።
ሰብ ዝልዓለ ርክብ ድሕሪ አምላኽ ዝገብሮ ምስ ስድርኡ እዩ። ስድራና ኵሉ ነገር እዮም፥ ስድራ ዘልኦ ዳርጋ ዝጎድሎ የብሉን፥ ካብ ከምዚኦም ዝበሉ ስድራ ምውላደይ ፍሉይ ሓጎስ ይህበኒ እናበልና ካብ ስድራና ዝረኸብንዮ ጸጋ ንገልጽ። ስድራና እምብአር ኩሉ ነገር እዮም ንአና። ነዚ አብዚ ዝስዕብ ታሪኽ ክንዕዘቦ ንኽእል።
አብ ሓደ ዝንገር ታሪኽ ንጉሥ ዳርዮስ መስራቲ ንግስነት ፋርሳውያን (ኢራን)፥ ሓደ እዋን ሓደ መኮንን ምስ ስድርኡ ተማሪኹ አብ ቅድሚኡ ምስ ቀረበ እቲ ንጉሥ ነቲ ዝተማረኸ እንተ ፈታሕኩኻ እንታይ ትህበኒ ኢልዎ? ምሩኽ ፍርቂ መንግስተይ ኢሉ መለሰ፥ ንጉሥ ደቅኻ እንተ ፈታሕኩልካኸ ኢሉ ሓተቶ? ኵሉ አነ ዝውንኖ ሃብተይ እህበካ እናበለ ብዓይኒ ተስፋ እናጠመተ መለሰ፥ ሰበይትኻ እንተ ፈታሕኩልካኸ? ክቡር ንጉሥ ሕይወተይ እህበኩም ኢሉ መሊሱ ይብሃል። ዳርዮስ ንጉሥ ፋርስ አብ ስድርኡ ዘለዎ አኽብሮትን ፍቕርን ርእዩ ንዅሎም ነጻ ሰዲድዎም ይብሃል። ንገዛ እናተመልሱ እቲ መኮንን ንብዓልቲ ቤቱ ዳርዮስ ብጣዕሚ መልክዐኛ ሰብ እዩ አስተውዒልክልዶ እናበለ ብአድንቖት ሓተታ፥ ሰበይቱ ብምሉእ ዓይኒ ፍቕሪ ዓይኒ ዓይኑ እናጠመተት አየስተውዓልኩን አየስተብሃልኩሉን፥ ምኽንያቱ ዓይነይ አባኻ ጥራሕ እየን ዝጥምታ ነረን፥ እቲ ገዛእ ርእሱ ምእንታይ ክህብ ፍቓደኛ ዝኾነ ብዓል በተይ በለቶ ይብሃል።
አብዚ ዛንታ እንዕዘቦ ዝገጠመሞ ከቢድ ጸገም ብዘየገድስ አቦ እዛ ስድራ ፍቕሪ ሰበይቱ ደቁ ልዕሊ ኹሉ ከም ዝሰርዕ ዝርአየ ንጉሥ ነጻ ክኸዱ አዚዙ። ሰብአያ ልዕሊ ኹሉ ነገር ንሰበይቱ ከም ዝርኢ፥ አደ ሰብአያ ጥራሕ ከም ዝውንናን ከም እተፍቅሮን ትገልጽ፥ ክልተ ወለዲ ደቆም ልዕሊ ዝኾነ ገንዘቦም ንብረቶም ከም ዝሰርዕዎም ንርኢ እዚ ኹሉ ዝገልጾ እዛ ስድራ ፍቕርን ሓልዮትን ዝመልኣ ስድራ ከም ዝነበረቶ ንርኢ። ብሓቂ ክንርእዮ ከሎና ናይ ሓንቲ ስድራ ጽንዓትን ብርታዐን ዝርአ አብ ጽንኩርን ፈተናን እዋን ዝገጥማ ክትብድህ እንከላ እዩ።
ስድራ ክፍሊ መደብ አምላኽ እያ። ስድራ መሰረት ሕብረተሰብ አብአ ወለድን ደቆምን ኵሉ ዝረኽቡላን አብ ብስለት ዝበጽሑላን እያ። ስላሴ (አብ ወልድ መንፈስ ቅዱስ) ናይ ርእሶም ስድራ ክንሶም ንኹሎም ደቂ ሰብ ድሕነትን ቅድስናን ክህቡ ንድለቶም እትፍጽም ምድራዊት ስድራ አብ ዓለም መሪጾም። እዚ ምስጢር እዚ አብ ዕለተ ልደት አብዒልናዮ።
ቅድስት ስድራ ብኢየሱስን ማርያምን ዮሴፍን ዝቖመት እያ። እዛ ቅድስት ስድራ አብነት ናይ ኩለን ስድራታት እያ፥ ድሕሪ ልደት ክርስቶስ ክንዝክርን ክነብዕልን ከአ ፍሉይ ትርጉም ይህቦ። ናይ ነፍሲ ወከፍና ስድራ ብመንጽር ናይ ቅድስት ስድራ ክንግምግም ግቡእ እዩ። ኢየሱስ ምድራዊ ሕይወቱ ናይ ስድራ አባል ኮይኑ እዩ አሕልፊፍዎ። ብዙሕ ጊዜ ከም እንሓስቦ ቅድስት ስድራ ሓጎስ ዝመልኦ ሕይወት ጥራሕ ተሕልፍ ከም ዝነበርት እዩ፥ እንተ ኾነ ከም ኩለን ስድራታት ብዙሕ ጽቡቕን ሕማቕን፥ ዘሓጉስን ዘሕዝንን ከምኡ ጸገማትን ግድላትን እተሕልፈሉ ጊዜ ነርዋ እዩ። ብሓቂ ክንርእዮ ከሎና ካብ መጀመርያ እዩ ብዙሕ ጸገማት ገጢምዋ።
አብ ዝተነበ ወንጌል እንተ ርአና እዛ ቅድስት ስድራ ተባሂላ ዘላ ካብ ካልኦት ስድራታት ፍልይ ዝበለት እያ። አደ ድንግል እንከላ ወሊዳ አቦ እውን ባዮሎጂካዊ አቦ አይኮነን። ከም ሓንቲ ብልጽቲ ስድራ ትነብር አይነበረትን። ሄሮዱስ ገዛእ ሃገር ካብ መጀመርያ ክጥፍአ እዩ ደልዩ በዚ ኸአ ንስደት ከይዳ። እንተ ኾነ እዚአ እታ አምላኽ ዝመረጻ ስድራ፥ ወዱ አብአ ክዓቢ ዝደለያ እያ። ማርያም አደ አምላኽ ክትከውን ከም ዝተሓርየት ትነገር እምበር ዕሞቕ ምስጢር ካብአ ዝውለድ ብእመነት እያ ተቐቢላቶ። ከም ሰብ ክንሓስብ ከሎና አብ ገለ እዋን እቲ ዝተባህላን ዝገጥማ ዝነበረን ነገራት እንተ ረአና ዝገራጮ ይመስል። አደ እቲ ልዑል ክትኮኒ ኢኺ ጸጋ ዝመልአኪ እዩ፥ ካብ ሕጂ ንድሓር ኩሎም ወለዶ ብጽእቲ ክብሉኒ እዮም ዝብል ምስቲ ዝገጥማ ዝነበረ ዝሰማማዕ አይመስልን። ብዝኾነ ነገሩ ጉዳይ ክአልኩሉ አምላኽ ስለ ዝኾነ ክአምኖን ክቕበሎን ጥራሕ እዩ ዘሎኒ ኢላ ንቃል አምላኽ ሰሚዐ ተቐቢላቶ እያ፥ ሕጂ ነቲ ዝተባህላ ሳዕበናቱ እያ ትገብርን ትነብሮ ዘላ። ዮሴፍ ሕጹያ ዝነበረ ብጽንሲ ማርያም ተገሪሙ እዩ፥ ከምቲ ሕጊ ዝእዝዞ ኸአ ብሱቕታ ክፈትሓ ይደሊ ነሩ ግን ጻድቕን ሕያዋይን ስለ ዝነበረ ከቃልዓ ይደሊ አይነበረን። መልአኽ ብሕልሚ ምስ ተራእዮ እሞ ኵሉ ምስ ነገሮ ነቲ ዝተባህሎ ተቐቢሉ አብ ምድኃን አደን ሕጻንን ንግብጺ ንስደት ከይዱ። ሄሮዱስ ምስ ሞተ ኸአ እንደገና መልአኽ ብሕልሚ ክምለስ ምስ ነገሮ ተመሊሱ። አብዚ እንርእዮ ዮሴፍ ኵሉ ጊዜ ካብ አምላኽ ንዝመጽኦ መልእኽቲ ይሰምዕን የተግብርን ነሩ። እዚ ዝልዓለ ቅዱስ ይገብሮ። ምስጢር ዘዕብዮ ውሉድ ከምኡ ኩነታት ሰበይቱ ክፈልጥ ክመራመር አይደለየን፥ ኩሉ ንአምላኽ ሂቡ ብእምነት ተጓዒዙ።
ሉቃስ ወንጌላዊ ኢየሱስ ወዲ ዓሰርተ ክልተ ዓመት ምስ ኮነ ካብ ወለዱ ተፈልዩ አብ ቤተ መቕደስ ከምዝተረፈ ወለዱ ክሳብ ዝረኽብዎ ከም ዝተሸገሩ ይነግረና። አብዚ ኢየሱስ ብወለዱ ተሓጊዙ ኵሉ ስርዓት እምነት አይሁድ ይፍጽም ከምዝነበረ ንርኢ። ካብ ወለዱ ተፈልዩ አብ ቤተ መቕደስ ምስ ሊቃውንቲ ክዛረብ ረኺቦሞ። ኢየሱስ አብ ጉዕዞ ሕይወትና ክጠፍአና ይኽእል እዩ ክሳብ ንረኽቦ ክንደልዮ ይግባእ። ጠፊእናዮ ወይ ጠፊኡና ክነብር ድላዩ አይኮነን።
ሓንቲ ስድራ አባላ ብዝኾነ ምኽንያት ክጠፍአ ወይ ክፍለያ እንከሎ ኵላ እያ እትሓምም እትሽገር። ብምጥፋእ አባላ እትሕጎስ ስድራ የላን። እሞ ሎሚ ካብ ስድራና ካብ ቤተ ክርስትያና ካብ ሕብረተሰብና ዝጠፍኡና ምምላስ ዝጸገሞም አለዉናዶ? አብዚ ርክባትና ክንርኢ እሞ ነቲ አብ ሓንቲ ስድራ ዝጥርንፈና መገዲ ክንሕዝ ዘዘኻኽረና እዋን እዩ። ኵላትና ከም እንፈልጦ ብባህርና ክንቅይር፥ ክንምሕር፥ ክንሳሕ፥ ይኸብደና እዩ። አይስዓርን አይቅይርን ብሃልቲ ኢና እንተ ኾነ ሎሚ ዘድሊ ዘሎ ንስምዒትናን ንጠባያትና ቀይርና አብ ሓደ ዝገብረና ነገር ክንጥርነፍ ክንጽዕር እዩ።
ኢየሱስ ካብ ስድርኡ ጠፊኡ ክንብል እንከሎና ናይ ምፍላይ ጥፍአት አይ ኮነን ንሱ አብ ናይ ሰማያዊ አብኡ ጉዳይ እዩ ነሩ እምበር አይጠፍአን ወላ እኳ አዲኡ ስለምንታይ ከምዚ ገበርካና እናበለት ጓሂአ እንተ ገለጸት። ኢየሱስ አብ ቤተ መቕደስ እዩ ተረኺቡ አብ ቤት አምላኽ ምስ አገልገልቲ አምላኽ ምስጢር አምላኽ እናገለጸ እዩ ተረኺቡ እዚ ንርእሱ ትምህርቲ አልኦ። ዝጠፍአ ሓውና ሓፍትና መጀመርያ ንረኽቦዶ አበይ ንረኽቦ? አብኡ መሰረት ገርና ሓውናን ሓፍትናን ጠፊኦም ዘለዉ ንርከቦም። አብ ሕይወትና መን ብቐዳምነት ንሰርዕ? ኢየሱስ ድላይ ሰማያዊ አብኡ እዩ መጀመርያ ቀዳምነት ሂቡ ዝኸይድ ዝነበረ። ሓንቲ ስድራ አምላኽ ልዕሊ ዝኾነ ሰሪዓ እንተ ኸአለት ክትሽገር አይክአልን እዩ።
አብ መልእኽቲ ዮሓንስ ቀዳመይቲ ዝተነበትልና አምላኽ አቦና ከም ዝኾነ ንሕና ኸአ ደቂ ከምዝኾና ይንገረና። ውሉድ አምላኽ ተባሂልና ምእንቲ ኽንጽዋዕ እግዚአብሔር አቦ ኸመይ ዝበለ ፍቕሪ ከም ዝለገሠልና እሞ ርአዩ፥ ውሉድ አምላኽውን ኢና (1ዮሓ 3፡1)። አብ ሰማይ ሰማያዊ ስድራ ብሓደ ተጠርኒፋ አላ፥ ንሕና ኸአ አባላታ ክንከውን ዕዱማት ኢና፥ ከምኡ ናይ መጨረሻ ዓላማና ምስአ ምዃን ስለ ዝኾነ ካብ ሎሚ ሓደ ስድራ ኮና በቲ አምላኽ ዝደልዮ ክንጉዓዝ ይግብአና።
ስምንታይ ኢና ነዛ ብኢየሱስን ማርያምን ዮሴፍን ዝቖመት ስድራ ቅድስት እንብላ? እዛ ስድራ እዚአ ቅድስት እያ ምኽንያቱ አምላኽ ምስአ አሎ ከምኡ አብ ኵሉ መዓልታዊ ሕይወታ ነቲ አምላኽ ካብአ ዝደልዮ ክትምልስ ስንድውቲ እያ ነራ። ናይ ሓንቲ ስድራ ቅድስና አብቲ ንአባላት እትገብሮ ወይ ዘይትገብሮ አይኮነን ዝምስረት። ቅድስቲ ስድራ እትብሃል አብቲ ዝውሃባ ጸጋን እምነትን እትህቦ መልሰ ግብሪ እዚ ኸአ አብቲ መዓልታዊ ሕይወታ ዝጓነፋ ብፍላይ አብቲ ዘይተጸበየቶ እትህቦ መልሲ እዩ ዝግለጽ። ኵሉ እቲ ዝጓነፎም ዝነበረ ክብን ለጠቕን ሓጎስን ስቓይን ኢየሱስን ማርያምን ዮሴፍን ሓደ ነገር ዘስተምህረና አለዎ፥ እዚ ኸአ አብ መዓልታዊ ሕይወትና ዝጓነፉና ክንጸውርን ክንዕገስን፥ ንድላይ አምላኽ ክንርኢን ክንእዘዝን። ቅድስት ስድራ ከመይ ገራ እያ ነቲ ኩሉ ዝጓነፋ ዝነበረ ጸገማት ትሰግሮ ዝነበረት? አብኦም ዝርአ ዝነበረ ሰላምን ሓጎስን ቅሳነትን ብአንጻር ዝወርዶም ዝገጥሞም ዝነበረ ፈተናን ውርደትን ስደትን ዘርእይዎ ዝነበሩ ዓቢ ትዕግስትን እምነትን ንነፍሲ ወከፍና አብነት እዩ። ንኹሉ እቲ ዝወርዶም ዝነበረ ብዓይኒ አምላኽ ይርእይዎ ነሮም። ንዝወርዶም ዝነበረ ጸገማት አምላኽ ብእኡ ገሩ ዝሰደሎም ዝነበረ መልእኽቲ አንቢቦም ይኽእሉ ነሮም እዚ ኸአ እዩ ንነፍሲ ወከፍና ዘድልየና። አብ ሕይወትና ንዝገጥመና ፈተናን ውርደትን ካብኡ እንምሃሮ መልእኽቲ አሎና።
አብ ፩ሳሙኤል 1፡20-28 ዘሎ እንተ አንበብና ሃናን ሕልቃናን ነቲ አብ እርጋኖም ዝረኸብዎ ወዶም ሳሙኤል ንአምላኽ አብ ቤተ መቕደስ ከም ዘወፈይዎ ነንብብ። እዞም ክልተ ወለዲ ብዕድመ ዝሸምገሉ አብ አምላኽ ምሉእ እምነት ገሮም ንሓደ ወዶም አወፍዮሞ፥ ንድላይ አምላኽ ክገብሩ አይተወላወሉን፥ ንሕና ውን አብ ሕይወትና ልዕሊ ዝኾነ ነገር አምላኽ ሰሪዕና እንተ ኸአልና ዝኾነ ጸገም ወይ ስክፍታ ክንሓልፎ ንኽእል ኢና። አብ ስድራታት ሎሚ ብሓፈሻ ክንርእዮ ከሎና ከቢድ ጸገም ኮይኑ ዘሎ ስክፍታ እንታይ ክኸውን እየ፥ ደቀይ እንታይ ክኾኑ እዮም አነኸ እናበልና ዘይቅሱን ሕይወት ንነብር ግን ነገራት ብምሉእ እምነት ገርና አብ አምላኽ እንተ ሓደግናዮም ሰላም ቅሳነት ክንረክብ ኢና።
ብዓልና እምብአር አምላኽ እቲ ስድራ ዝፈጠረን ዝሰርዐን ዝጓነፋ ጸገማትን ድኽመታትን ብዘየገድስ ብናይ ትስብእቲ ሓደ ወዱ ኢየሱስ ክርስቶስ ክቕይራን መጋበሪ ድሕነት ከም እትኸውን ዝገበረ ንኹለን ድራታት ሎሚ እውን ከምኡ ኽገብረልና ንለምኖ። አብነት ቅድስት ስድራ ተኸቲልና ዝጓነፈና ጸገማትን ድኽመታትን ብዘየገድስ ንቅድስና ዝተጸዋዕና ንቃል አምላኽ አብ መንጎ ስድራናታትና ክንሰምዖን ክነተግብሮን ይግብአና። አብ ርክባትና ንቅድስት ስድራ ክንሓስብ እሞ ነቲ አብ ዓለም ዝጓነፍ ነገራት ተስፋ ከይቆረጽና ክንሓልፎን ክንጾሮን፥ ነገራት ከም ድላይና ጥራሕ ክኸዱ ክንደሊ የብልናን አብ ገለ እዋን ከባቢና ርኢና ጥበብን ልቦናን ክንገብር ትዕግስትን ምስትውዓልን የድልየና። መደባትና ናይ መጨረሻ ነገራት ከምዘይኮኑ ተረዲእና ናይ ካልኦት ጽን ክንብል ክንርድኦም ክንጽዕር ይግባእ። ንኹሉ ዝገጥመና ክንቆጻጸሮ አይንኽእልን ኢና ስለዚ ንዘይተጸበናዮ ዝጓነፈና ከመይ ኢልና ከም እንምልሰሉ ክንሓስብ ክንመርጽ አሎና እምበር ከየስተውዓልና ርክባትና ምስ አምላኽን ሰብናን ዝጎድእ ከይንመርጽ ክንትንቀቕ አሎና። ነቶም ሰላም ፍቕሪ ጽንዓት ዝህቡና ነገራት ክንመርጽ አሎና አብ ናይ ሰባት ጌጋታትን ክፍአትን ክንተኩር የብልናን።
ጥዕና ስድራ አብ ትዕግስትን አብ ምምሕሓርን እዩ ዝምስረት። ጌጋ ዘይምርድዳእ ክጓነፈና ይክእል እዩ እቲ ቍምነገር ከመይ ገርና ንጌጋታት ንእርሞም እዩ። ዓይኒ አብ ልዕሊ ዓይኒ እንተ ኾነ መልስና ዝገደደ እዩ ዝወርድ ስለዚ ጽን ኢልና ክንሰምዕ ክንቅይር ስንድዋት ክንከውን አሎና። ከይመሓርካ ምሕረት አይርከብን እዩ፥ አብ ስድራታት ዝወርድ ጸገማት ክንዕወተሎም ፍቕሪ ልዕሊ ኹሉ ክንሰርዕ ክንክእል አሎና ከምኡ ምምሓር ክንምሃር ዝበለጸ ፈውሲ ጸገማትና እዩ።
አብ ዓለም ሓንት ቅድስት ስድራ ጥራሕ ነራ ንሳ ኸአ አብ ሰማይ ብሓደ አላ። ግን አብ ምሉእ ዓለም ፋሕ ኢሎም ዝርከቡ ብዙሓት ስድራታት በብመገዶም አብነት ቅድስት ስድራ እና ሰዓቡ ንአምላኽ አብ ኹሉ ልዕሊ ኹሉ እናረአዩ ዝገጥሞ ብዘየገድስ ንድላያቱ ዝፍጽሙ አለዉ። አብ ዓለም ብዙሕ ድምጺ የብሎምን አብ ዝኾነ ዝርአ ነገራት አይርአዩን ብሱቕታ ይነብሩ። እዚኦም አዕኑድ ስድራታት እዮም ኵሉ ነገር አብ ዝግለጸሉ እዋን ኵሉ ዝገበርዎ ኽግለጽ እዩ፥ ኹሉ ሰብ ብአኦም ክግረም እዩ።
ሎሚ አብ ዘመና ልዕሊ ኹሉ እትሳቐ ዘላ ስድራ እያ። ፍቕሪ ርሒቑ ዝፈላሊ ዝበታትን በዚሑ። አብ ሰብ ክልተ ሰብ ኪዳን ዝርአ ምጽውዋር ምምሕሓር ተሳኢኑ ልዕሊ ኹሉ ካብ አብራኽ ዝወጹ ደቆም ይውጽዑን ይግፍዑን አለዉ። ወለዲ ንአይ አይጠዓመንን ስለዚ ደቀይ ባዕሎም ይፈልጡ መጀመርያ ንአይ ድሕሪኡ ንደቀይ ዝብል መንፈስ ስለ ዝበዝሐ ክበድ ኪዳን ፈዂሱ ንርእዮ አሎና። አብ መንጎ ሰብ ኪዳን አቲኻ ብዝኾነን ብዘይኮነን አብ ምፍልላይ ምሕጋዝ ዝኾነ ቤተሰብ ይኹን ካልእ ክአትዎ ዘይግባእ ጉዳይ እዩ። ሎሚ ምእንቲ ሓድነትን ፍቕሪ ስድራታትን ብፍሉይ ክንጽሊ ይግብአና። ኦ ቅድስት ስድራ አብነትኩም ተኸቲልና ንዝጓነፈና ፈተናን ጸገምን ስዒርና ድላይኩም ክንገብር ሓግዙና ንበል።
ኦ ቅድስት ስድራ ርድእና።
ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ