ድለ

Cookie Policy
The portal Vatican News uses technical or similar cookies to make navigation easier and guarantee the use of the services. Furthermore, technical and analysis cookies from third parties may be used. If you want to know more click here. By closing this banner you consent to the use of cookies.
I AGREE
Scherzo (Allegro) - Finale (Allegro)
መርሓ ግብሪ ፈነወ
ብጹዕ ኣቡነ ሞሰስ ቺክወ ብጹዕ ኣቡነ ሞሰስ ቺክወ 

ኣብ ናይጀሪያ ምጭዋይ ናይ ሰበኻ ኣወሪ ተራዳኢ ጳጳስ

ናይቲ ከባቢ ምእመናን ምእንቲ እቶም ዝተጨውዩ ናይ ጸሎት መደባት እውን የካይድ ከምዘሎ ሓቢሮም፡ ብጹዕ ኣቡነ ቺክወ ብቕልጡፍ ናጻ ክልቀቝ ጸሎትናን ተስፋናን እዩ

ዕለት 27 ታሕሳስ 2020 ዓ.ም. ኣብ ናይጀሪያ ግዝኣት ኢሞ ኣብ ዝርከብ ሰበኻ ኦወሪ ተራዳኢ ሊቀ ጳጳስ ብጹዕ ኣቡነ ቺክወ ብረት ብዝተዓጥቑ ሰባት ከምእተጨውዩን ድሕሪ ቁርብ መዓልታት ምጭዋዮም እውን ተቐቲሎም ዝብል ክፍነው ዝጸንሔ ሓበሬታ ሓሶት ምዃኑ ከምእተረጋገጸን ሕጂ እውን ናይቲ ከባቢ ሓይሊ ጸጥታ ኣበይ ከምዘለዉን ብመን ከምእተጨውዩን ናይ መርመራ ስርሒት የሳልጥ ከምዘሎ ዜና ቫቲካን ካብ ሰበኻ ኦወሪ ዘውጸኦ ሓበሬታ ጠቒሱ የመላኽት።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ሰበኻ ኦወሪ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ቪክቶር ኦቢና ምስ ፊደስ ኣገልግሎት ዜና ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፡ ምጭዋይ ብጹዕ ኣቡነ ሞሰስ ቺክወ ብዙሕ ከምዘተሓስስቦምን ቀቅድሚ ብጹዕ ኣቡነ ቺክወ ብትኽክል ቅድሚ ቅድልተ ሰሙን ኣቢሉ ሓደ ወንጌላዊ ልኡኽ ኣባ ቫለንቲን ኣሉቹክዉ ኤዘኣጉን ምስኦም ዝነበረ መራሒ መኪናን ኣብቲ ግዝኣት ከምእተቸውዩን ደሓር እውን ናጻ ከምእተለቁን ኣዘኻኺሮም፡ ብጹዕ ኣቡነ ቺክወ ዝጓዕዙላ ዝነበረት መኪና ናይቲ ከባቢ ሓለዋ ጽጥታ ኣባላት ብዘካየድው ክትትል ከምእተረኸበትን ብጹዕ ኣቡነ ቺክወ ንምርካብ እውን ሓይሊ ጸጥታ ኣበርቲዑ ይዓዪ ኣሎ ከምዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ብጹዕነቶም ብስልኪ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት እውን፥ ግብረ ጨወያን መቕተልትን ዘረፋን ብዙሕ እዋን ብተደጋጋሚ ዝርአይ ዓቢይ ስግኣት እዩ፡ ሕዝቢ ኮነ ኣብቲ ከባቢ እትርከብ ቤተ ክርስቲያንን ካህናትን ደናግልን ልኡካነ ወንጌልን ምእመናንን ጳጳሳትን ኵሉ ነዚ ሓደጋ እዚ ዝተቓልዔ እዩ፡ ናይቲ ከባቢ ምእመናን ምእንቲ እቶም ዝተጨውዩ ናይ ጸሎት መደባት እውን የካይድ ከምዘሎ ሓቢሮም፡ ብጹዕ ኣቡነ ቺክወ ብቕልጡፍ ናጻ ክልቀቝ ጸሎትናን ተስፋናን እዩ እንክብሉ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

01 Jan 2021, 11:26
Prev
February 2025
SuMoTuWeThFrSa
      1
2345678
9101112131415
16171819202122
232425262728 
Next
March 2025
SuMoTuWeThFrSa
      1
2345678
9101112131415
16171819202122
23242526272829
3031